ዘካርያስ
2 ኣዒንተይ ኣልዒለ ድማ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ+ ዝሓዘ ሰብኣይ ረኣኹ። 2 ኣነ ኸኣ፡ “ናበይ ኢኻ እትኸይድ ዘለኻ፧” ኢለ ሓተትክዎ።
ንሱ ድማ፡ “የሩሳሌም ግፍሓ ኽንደይ ምዃኑን ንውሓታ ኽንደይ ምዃኑን ክርኢ”+ ኢሉ መለሰ።
3 እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወጸ፣ ካልእ መልኣኽ ድማ ኪረኽቦ መጸ። 4 ከምዚ ኸኣ በሎ፦ “ናብቲ ጐዪኻ፡ ነቲ ጐበዝ ከምዚ ኢልካ ንገሮ፦ ‘“ብምኽንያት ኵሎም እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ሰባትን ማልን፡ የሩሳሌም ከም ገጠር* ኪነብርዋ እዮም።+ 5 ኣነ ድማ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፡+ ኣብ ማእከላ እውን ክብሪ ክኸውን እየ”+ ይብል የሆዋ።’”
6 “ንዑ! ንዑ! ካብ ምድሪ ሰሜን ህደሙ”+ ይብል የሆዋ።
“ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማያትሲ ፋሕ ኣቢለኩም እየ”+ ይብል የሆዋ።
7 “ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን ተቐሚጥኪ ዘለኺ ጽዮን፡ ንዒ ኣምልጢ።+ 8 እቲ ምስ ከበረ* ናብቶም ዚዘምቱኹም ዝነበሩ ኣህዛብ ዝለኣኸኒ የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል፦+ ‘ዚትንክየኩም ዘበለ፡ መርዓት ዓይነይ* እዩ ዚትንኪ።+ 9 ኣነስ ኢደይ ከወጣውጠሎም እየ፣ ንሳቶም እውን ንባሮቶም ዘመተ ኪዀንዎም እዮም።’+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለኣኸኒ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።
10 “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣነ እመጽእ ኣለኹ፡+ ኣብ ማእከልኪ ድማ ክነብር እየ እሞ፡+ ብታሕጓስ ጨድሪ”+ ይብል የሆዋ። 11 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዙሓት ኣህዛብ ምስ የሆዋ ኺሓብሩ፡+ ህዝበይ ከኣ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ።” ንስኺ እውን የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ። 12 የሆዋ ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ ንይሁዳ ግዲኡ ገይሩ ኺርስተያ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ከም ብሓድሽ ኪሓርያ እዩ።+ 13 የሆዋ ኻብቲ ቕዱስ መንበሪኡ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ እሞ፡ ኵሉ ስጋ* ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይበል።