መዝሙር
ንኣህዛብ ሓምሺሽካዮምን ሰጒጕካዮምን።+
3 ብኣታቶም ባህ ስለ ዝበለካ፡+
ብየማነይቲ ኢድካን ብቕልጽምካን+ ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፡
ብሰይፎም ኣይኰኑን ነታ ምድሪ ተረስትዮምዋ፣+
ቅልጽሞም እውን ኣይኰነን ዓወት ዘምጽኣሎም።+
6 ብቐስተይሲ ኣይእመንን እየ፣
ሰይፈይ እውን ከተድሕነኒ ኣይትኽእልን እያ።+
7 ካብ ተጻረርትና ዘድሓንካና፡+
ነቶም ዚጸልኡና እውን ዘዋረድካዮም ንስኻ ኢኻ።
8 ምሉእ መዓልቲ ንኣምላኽ ክንውድስ ኢና፣
ንስምካ ድማ ንዘለኣለም ከነመስግን ኢና። (ሴላ)
9 ሕጂ ግና ደርቢኻና፡ ኣዋሪድካና፡
ምስ ሰራዊትና ኸኣ ኣይትወጽእን ኣለኻ።
10 ካብ ተጻራሪና ኸም እነንሳሕብ ትገብረና ኣለኻ፣+
እቶም ዚጸልኡና ድማ ዝደለይዎ ይወስዱ ኣለዉ።
11 ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሂብካና፣
ኣብ መንጎ ኣህዛብ እውን ፋሕ ኣቢልካና።+
13 ንጐረባብትና መጻረፊ፡
ኣብ ዙርያና ንዘለዉ ድማ መላገጽን መባጨውን ጌርካና።
14 ኣብ መንጎ ኣህዛብ መመሰሊ፡+
ኣብ መንጎ ህዝብታት ከኣ ርእሶም መነቕነቒ ጌርካና።
15 ምሉእ መዓልቲ ውርደት ይስምዓኒ ኣሎ፣
ብሕፍረት እውን ተዋሒጠ ኣለኹ።
16 እዚ ድማ ብሰሪ ድምጺ ባጫኦምን ጸርፎምን፡
ብሰሪ እቲ ሕነ ዚፈዲ ዘሎ ጸላኢና እዩ።
17 እዚ ዅሉ ወሪዱናስ፡ ኣይረሳዕናካን፡
ኪዳንካ እውን ኣይጠሓስናን።+
18 ልብና ኣይዘምበለን፣
ኣሰርና ኸኣ ካብ መገድኻ ኣየላገሰን።
ንሱስ ምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ።+
22 ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፣
ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ እውን ንቝጸር ኣለና።+
23 ኦ የሆዋ፡ ተንስእ። ስለምንታይ ትድቅስ፧+
ንቓሕ! ንዘለኣለም ኣይትደርብየና።+
24 ስለምንታይ ገጽካ ትሓብእ፧
ስለምንታይከ ጸበባናን ጭቈናናን ትርስዕ፧
26 ረዳኢና ዄንካ ተንስእ!+