መዝሙር
ካልኣይ መጽሓፍ
(መዝሙር 42-72)
2 ንኣምላኽ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ እጸምኦ ኣለኹ።*+
መዓስ መጺአ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክርአ እየ፧+
ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትርበሺ ኣለኺ፧
ዓብዪ መድሓንየይ ብምዃኑ ኽውድሶ እየ እሞ፡
ንኣምላኽ ተጸበይዮ።+
7 ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ፡
መዓሙቝ ማያት ንመዓሙቝ ማያት ይጽውዖ።
ኵሉ ብርቱዕ ማዕበላትካ ውሒጡኒ።+
8 የሆዋ ብመዓልቲ ብተኣማንነት ፍቕሩ ይህበኒ፡
ብለይቲ ኸኣ መዝሙሩ፡—ንኣምላኽ ህይወተይ ዝጽለ ጸሎት፡—ምሳይ ይኸውን።+
9 ንኣምላኽ፡ ንኸውሐይ፡
“ስለምንታይ ረሲዕካኒ፧+
ስለምንታይከ ብሰንኪ ጭቈና ጸላእየይ ጕህየ ዝመላለስ፧” ክብሎ እየ።+
11 ነፍሰየ፡* ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧
ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትርበሺ ኣለኺ፧
ዓብዪ መድሓንየይን ኣምላኸይን ብምዃኑ ኽውድሶ እየ እሞ፡
ንኣምላኽ ተጸበይዮ።+