መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
64 ኦ ኣምላኽ፡ ክልምን ከለኹ፡ ድምጸይ ስማዕ።+
ንህይወተይ ካብ ራዕዲ ጸላኢ ሓልዋ።
2 ካብ ምስጢራዊ ውዲት እኩያት፡+
ካብ ጭፍራ ገበርቲ ኽፉእ ከውለኒ።
3 ልሳኖም ከም ሰይፊ ይስሕሉ፣
ሕሱም ቃላቶም ከኣ ከም ፍላጻታት የዝግቡ፣
4 ካብቲ መሕብኢኦም ድማ ንንጹህ ይውርውሩሉ፣
ብዘይ ፍርሂ ብሃንደበት ይውርውሩሉ።
5 እኩይ ሃቐናኦም ኣጽኒዖም ይሕዙ፣*
መጻወድያታቶም ከመይ ገይሮም ከም ዚሓብእዎ ይዛራረቡ።
“መን ኪርእዮ እዩ፧” ይብሉ።+
6 ክፉእ ዚገብሩሉ ሓድሽ መገድታት የናድዩ፣
ብምስጢር ከኣ ዜዐሹ ስልቲ ይምህዙ።+
ኣብ ውሽጢ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ሓሳብ ዘይምርመር እዩ።
7 ኣምላኽ ግና ኪውርውረሎም እዩ፣+
ብሃንደበት ብፍላጻ ኪቘስሉ እዮም።
8 ልሳኖም ድማ ኬውድቖም እዩ፣+
ዚርእዩ ዘበሉ ዅሎም ከኣ ርእሶም ኪንቕንቑ እዮም።