ኤርምያስ
45 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኤርምያስ እናተዛረበ ንባሩኽ+ ወዲ ኔርያ ኣብ መጽሓፍ ኬጽሕፎ ኸሎ፡ ነብዪ ኤርምያስ+ ንዕኡ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦
2 “ኣታ ባሩኽ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል፦ 3 ‘ንስኻስ፡ “የሆዋ ኣብ ርእሲ ስቓየይ ጓሂ ወሲኹለይ እዩ እሞ፡ ወይለይ! ብገዓረይ ደኺመ፡ ዕረፍቲ እውን ስኢነ” ትብል ኣለኻ።’
4 “ከምዚ ድማ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ፡ ንዝሃነጽክዎ አፍርስ፡ ንዝተኸልክዎ እምሑ ኣለኹ።+ 5 ንስኻ ግና ንርእስኻ ዓበይቲ ነገራት ትደሊ* ኣለኻ። ኣይትድለዮ።”’
“‘እንሆ፡ ኣብ ኵሉ ስጋስ* መዓት ከምጽእ እየ፣+ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ፡ ንህይወትካ ምርኮኻ ኽትከውን ክህበካ እየ’* ይብል የሆዋ።”+