መዝሙር
ብጭንቅን ብጓህን ተሰኒፈ።+
6 የሆዋ ንዘይለበሙ ይሕልዎም።+
ኣነ ተዋሪደ፡ ንሱ እውን ኣድሒኑኒ።
7 የሆዋ ጽቡቕ ገይሩለይ እዩ እሞ፡
ነፍሰይ* መሊሳ ተዕርፍ።
9 ኣብ ምድሪ ህያዋን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽመላለስ እየ።
10 ኣሚነ፣ ስለዚ፡ ተዛሪበ፣+
ኣዝዩ ጸቢቡኒ ነይሩ።
11 ኣነስ ሰምቢደ፡
“ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ” ኢለ።+
12 ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ዝገበረለይ ጽቡቕሲ፡
ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧
13 ጽዋእ ድሕነት* ከልዕል፡
ስም የሆዋ ድማ ክጽውዕ እየ።
16 ኦ የሆዋ፡ ኣነ ጊልያኻ እየ እሞ፡
እልምነካ ኣለኹ።
ኣነ ጊልያኻ፡ ወዲ ግዝእትኻ እየ።
ንስኻ ኻብ መእሰሪታተይ ፈቲሕካኒ ኢኻ።+
17 መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ፣+
ስም የሆዋ ኽጽውዕ እየ።