መዝሙር
2 ስለምንታይ ኣህዛብ፡
“ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፧” ዚብሉ፧+
3 ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት እዩ፣
ባህ ዝበሎ ድማ ይገብር።
4 ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም
ብሩርን ወርቅን እዮም።+
5 ኣፍ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይዛረቡን፣+
ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣
6 ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፣
ኣፍንጫ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣየጫንዉን፣
7 ኣእዳው ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይድህስሱን፣
ኣእጋር ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይከዱን፣+
ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድህዩን።+
12 የሆዋ ይዝክረና እዩ፣ ኪባርኸና እውን እዩ፣
ንቤት እስራኤል ኪባርኻ እዩ፣+
ንቤት ኣሮን ኪባርኻ እዩ፣
13 ነቶም ንየሆዋ ዚፈርሁ
ንኣሽቱን ዓበይትን ኪባርኾም እዩ።
14 የሆዋ ንዓኻትኩምን ንደቅኹምን
ኪውስኸልኩም እዩ።+
18 ንሕና ግና ካብ ሕጂ ንዘለኣለም
ንያህ ክንውድሶ ኢና።
ንያህ ወድስዎ!*