መዝሙር
ሓምሻይ መጽሓፍ
(መዝሙር 107-150)
2 እቶም የሆዋ እተበጀዎም ከምኡ ይበሉ፣
እወ፡ እቶም ካብ ኢድ ተጻራሪ እተበጀዎም፡+
3 እቶም ካብ ሃገራት፡
ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፡
ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን ዝኣከቦም ከምኡ ይበሉ።+
4 ኣብ በረኻ፡ ኣብ ምድረ በዳ ዀለል በሉ፣
መገዲ መንበሪ እትዀኖም ከተማ ኣይረኸቡን።
5 ጠመዩን ጸምኡን፣
ብድኻም ተወድኡ።*
8 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን
ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።+
10 ገሊኦም ብጸበባን ብሓጺንን ተኣሲሮም
ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ይነብሩ ነበሩ።
11 ንሳቶምሲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዓለዉ፣
ንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ነዓቕዎ።+
12 ስለዚ፡ ንልቦም ብሽግር ኣዋረዶ፣+
ተዓንቀፉ፡ ዚረድኦም እውን ኣይነበረን።
13 ብጭንቆም ናብ የሆዋ ተማህለሉ፣
ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም ኣድሓኖም።
14 ካብ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጽኦም፣
መቓውሖም ድማ ሰበረ።+
15 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን+
ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።
16 ንሱስ መዓጹ ነሓሲ ሰይሩ፡
ተገዳማት ሓጺን ከኣ ቈሪጹ እዩ።+
17 ዓያሹ ነበሩ፡
ብሰሪ ኣበሳኦምን ስሕተቶምን ድማ ጸበቦም።+
18 ንዅሉ ምግቢ ዝነበሮም ሸውሃት ጠፍአ፣*
ናብ ኣፍ ደገታት ሞት እውን ቀረቡ።
19 ብጭንቆም ናብ የሆዋ ይምህለሉ ነበሩ፣
ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም የድሕኖም ነበረ።
20 ቃሉ ልኢኹ የሕውዮም፡+
ካብቲ እተቐርቀሩሉ ጐዳጕዲ ድማ የናግፎም ነበረ።
21 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን
ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።
22 መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡ፡+
ግብርታቱ እውን ብእልልታ ይንገሩ።
23 እቶም ኣብ ባሕሪ ብመራኽብ ዚጕዓዙ፡
እቶም ኣብ ሰፊሕ ማያት ንግዶም ዜካይዱ፡+
24 ንሳቶም ግብርታት የሆዋ፡
ኣብ መዓሙቝ ድማ ዜደንቕ ግብርታቱ ርእዮም እዮም፣+
25 ብቓሉ ማዕበላት ባሕሪ ዜልዕል+
ህቦብላ ንፋስ ይትንስእ።
26 ክሳብ ሰማይ ይድይቡ፣
ናብ መዓሙቝ ይወርዱ።
ብሰንኪ እቲ ዘንጠልጠለ መዓት ትብዓቶም ይመክኽ።*
28 ሽዑ፡ ብጭንቆም ናብ የሆዋ የእውዩ፣+
ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም የናግፎም።
29 ንህቦብላ ንፋስ የህድኦ፣
ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ዝግ ይብል።+
30 ምስ ሃድአ፡ ንሳቶም ይሕጐሱ፣
ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ይመርሖም።
31 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን
ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።+
33 ንሱ ንኣፍላግ ናብ ምድረ በዳ፡
ንዓይኒ ማያት ከኣ ናብ ምድሪ ኣጻምእ ይልውጦ፣+
34 እወ፡ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዚቕመጥዋ፡+
ንፍርያም ምድሪ ናብ ጨዋም ምድሪ ይልውጣ።
35 ንምድረ በዳ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያታት ማይ፡
ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ይልውጦ።+
38 ንሱ ይባርኾም እሞ ኣዝዮም ይበዝሑ፣
ከብቶም ከኣ ኣየውሕደሎምን።+
39 ብሰሪ ጭቈናን መዓትን ጓህን ግና፡
ከም ብሓድሽ ይውሕዱን ይዋረዱን።
40 ኣብ ልዕሊ ልዑላን ንዕቀት የፍስስ፣
መገዲ ኣብ ዘይብሉ በረኻ እውን ኰለል የብሎም።+