መዝሙር
ናይ ዳዊት።
3 ኣንጻር ሰጐጕተይ ኲናትካን ናይ ውግእ ፋስካን* ኣልዕል።+
4 እቶም ንህይወተይ* ዚሃድንዋ ዘለዉ ይሕፈሩን ይዋረዱን።+
እቶም ኬጥፍኡኒ ውዲት ዚኣልሙ ናብ ውርደት የንሳሕቡ።
5 ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣
መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ይስጐጎም።+
6 መልኣኽ የሆዋ ኺሰጕጎም ከሎ፡
መገዶም ጸልማትን መንደልሃጽን ይኹን።
7 ንሳቶምሲ ብዘይ ምኽንያት መርበቦም ብሕቡእ ኣጻዊዶምለይ፡
ብዘይ ምኽንያት ድማ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ* እዮም።
9 ኣነ* ግና ብየሆዋ ኽሕጐስ እየ፣
ብግብርታት ድሕነቱ እውን ባህ ኪብለኒ እዩ።
10 ኵለን ኣዕጽምተይ፡
“ኦ የሆዋ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧
14 ከም ንፈታውየይ ወይ ከም ንሓወይ ገይረ እናሓዘንኩ ተመላሊሰ፣
ንኣዲኡ ኸም ዝሓዘነላ ዀይነ ድማ ብጓሂ ደኒነ።
15 ንሳቶም ግና ምስ ተዓንቀፍኩ፡ ተሓጒሶምን ተኣኪቦምን፣
ኣድብዮም ኪቐትሉኒ ተኣኪቦም፣
መናጪቶምኒ፡ ስቕ ከኣ ኣይበሉን።
17 ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ስቕ ኢልካ ኽትርኢ፧+
18 ሽዑ፡ ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኸመስግነካ፡+
ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝቢ ኽውድሰካ እየ።
20 ንሳቶምሲ ነቶም ሰላማውያን እታ ምድሪ ተንኰል ይሓስቡሎም ደኣ እምበር፡+
ቃላት ሰላም ኣይዛረቡን እዮም።
21 ኪኸስሱኒ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም፡
“ኣሰይ! ኣሰይ! ኣዒንትና ርእየናኦ” ይብሉ።
22 ኦ የሆዋ፡ ነዚ ርኢኻ ኢኻ። ስቕ ኣይትበል።+
ኦ የሆዋ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+
23 ክትጣበቐለይ ንቓሕን ተንስእን፡
ኦ ኣምላኸይ የሆዋ፡ ንጕዳየይ ተጣበቐለይ።
24 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ከም ጽድቅኻ ፍረደኒ፣+
ብኣይ ድማ ኣይተሓጐሱ።
25 ብልቦም፡ “ኣሰይ! ዝደለናዮ ረኺብና”* ኣይበሉ።
“ውሒጥናዮ” ኸኣ ኣይበሉ።+
26 እቶም ብመዓተይ ዚሕጐሱ፡
ኵላቶም ይሕፈሩን ይዋረዱን።
እቶም ዚዕበዩለይ ሕፍረትን ውርደትን ይልበሱ።