ድጕዓ
5 ኦ የሆዋ፡ እንታይ ከም ዝወረደና ዘክር።
ውርደትና ጠምትን ርአን።+
2 ርስትና ናብ ካልኦት፡ ኣባይትና ናብ ጓኖት ተመሓላሊፉ።+
3 ኣቦ ዘይብልና ዘኽታማት ኴንና፣ ኣዴታትና ኸም መበለታት ኰይነን።+
4 ማይና ብኽፍሊት ንሰቲ ኣለና፣+ ዕንጨይትና ኸኣ ብዋጋ ይመጸና ኣሎ።
5 እቶም ሰጐጕትና ኣብ ክሳድና እዮም፣
ደኺምና ኣለና፡ ዕረፍቲ ግና ኣይተዋህበናን።+
6 እኹል ዚብላዕ እንጌራ ኽንረክብሲ፡ ኢድና ናብ ግብጽን+ ኣሶርን+ ዘርጊሕና ኣለና።
7 እቶም ዝሓጥኡ ኣቦታትና የለዉን፣ ንሕና ግና ስሕተቶም ንጸውር ኣለና።
8 ገላዉ ይገዝኡና ኣለዉ፣ ካብ ኢዶም ዚምንዝዓና የልቦን።
9 ብሰንኪ ሰይፊ በረኻ፡ ህይወትና* ኣብ ሓደጋ ኣእቲና እንጌራ ነምጽእ ኣለና።+
10 ብሰንኪ ብርቱዕ ጥሜት፡ ቈርበትና ኸም እቶን ረሲኑ።+
11 ኣንስቲ ኣብ ጽዮን፡ ደናግል ኣብ ከተማታት ይሁዳ ተዋሪደን።*+
12 መሳፍንቲ ብኢዶም ተንጠልጢሎም፣+ ዓበይቲ እውን ኣይተኸብሩን።+
13 ኣጕባዝ መጥሓን ይስከሙ፡ ቈልዑ ድማ ኣብ ትሕቲ ጾር ዕንጨይቲ ይዕንቀፉ ኣለዉ።
14 ዓበይቲ ኻብ ኣፍ ደገ ኸተማ ኸይዶም፣+ ኣጕባዝ ከኣ ሙዚቃኦም ሓዲጎም።+
15 ሓጐስ ካብ ልብና ርሒቑ፣ ሳዕስዒትና ናብ ሓዘን ተቐዪሩ።+
16 ዘውዲ ኻብ ርእስና ወዲቑ። ሓጢእና ኢና እሞ፡ ወይለና!
19 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ ዝፋን ንዘለኣለም ትቕመጥ።
ዝፋንካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+
20 ስለምንታይ ንዘለኣለም እትርስዓና፧ ስለምንታይከ ንነዊሕ ግዜ እትሓድገና፧+
21 ኦ የሆዋ፡ ናባኻ ምለሰና፡ ንሕና እውን ብቐሊሉ ናባኻ ኽንምለስ ኢና።+
ንመዓልትታትና ኸምተን ናይ ቀደም ሓድሰን።+
22 ግናኸ፡ ጠሪስካ ደርቢኻና ኢኻ።
ኣዚኻ ተቘጢዕካና ኣለኻ።+