ድጕዓ
א [ኣሌፍ]
2 የሆዋስ ንጓል ጽዮን ከመይ ኰን እዩ ብደበና ቝጥዓኡ ዘጐልበባ!
ንጽባቐ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርብይዎ።+
ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንድኳ እግሩ ኣይዘከረን።+
ב [ቤት]
2 የሆዋ ንዅሉ መንበሪታት ያእቆብ ብዘይ ርሕራሐ ውሒጥዎ።
ብነድሩ ንዕርድታት ጓል ይሁዳ ኣፍሪስዎ።+
ነታ መንግስትን ንመሳፍንታን ናብ ምድሪ ኣውሪድዎምን ኣርኪስዎምን።+
ג [ጊሜል]
3 ብዚነድድ ቍጥዓ ንዅሉ ብርታዐ* እስራኤል ቈሪጹ።
ד [ዳሌጥ]
ንነድሩ ድማ ከም ሓዊ ናብ ልዕሊ ድንኳን ጓል ጽዮን ክዕይዎ።+
ה [ሄ]
5 የሆዋ ኸም ጸላኢ ዀይኑ፣+
ንእስራኤል ውሒጥዋ።
ንዅሉ ግምብታታ ውሒጥዎ፣
ንዅሉ ዕርድታታ ኣፍሪስዎ።
ኣብ ጓል ይሁዳ ኸኣ ሓዘንን ልቕሶን ኣብዚሑ።
ו [ዋው]
6 ንዳሱ ድማ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸም ዘላ ጎጆ ሃስይዋ።+
የሆዋ ኣብ ጽዮን በዓልን ሰንበትን ኣረሲዑ፣
ብብርቱዕ ቍጥዓኡ ኸኣ ንንጉስን ንኻህንን ኣየኽበረን።+
ז [ዛይን]
7 የሆዋ ንመሰውኢኡ ደርብይዎ፣
ንመቕደሱ ንዒቕዎ።+
ንመካበብያ እቲ እተዓርደ ግምብታታ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኣሕሊፍዎ።+
ከም ብመዓልቲ በዓል፡ ኣብ ቤት የሆዋ ድምጾም ዓው የብሉ ኣለዉ።+
ח [ሔት]
8 የሆዋ ንመካበብያ ጓል ጽዮን ኬፍርስ ወሲኑ።+
ገመድ መለክዒ ዘርጊሑ።+
ንኢዱ ኻብ ጥፍኣት* ኣይመለሳን።
ዕርድን መካበብያን ድማ ኣሕዚኑ።
ብሓደ እውን ደኺሞም።
ט [ጤት]
ንተገዳማታ ኣጥፊእዎን ሰይርዎን።
ንጉሳን መሳፍንታን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣለዉ።+
ሕጊ* የልቦን፣ ነብያታ እኳ ኻብ የሆዋ ራእይ ኣይረኸቡን።+
י [ዮድ]
10 ዓበይቲ ጓል ጽዮን ስቕ ኢሎም ኣብ ምድሪ ይቕመጡ ኣለዉ።+
ሓመድ ናብ ርእሶም በቲኖምን ማቕ ተኸዲኖምን ኣለዉ።+
ደናግል የሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድኒነን ኣለዋ።
כ [ካፍ]
11 ኣዒንተይ ብምፍሳስ ንብዓት ደኺመን።+
ውሽጠይ* ተሓቚኑ።
ל [ላሜድ]
12 ንኣዴታቶም፡ “እኽልን ወይንን ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ይሓትቱ ኣለዉ፣+
ከም ቍሱል ከኣ ኣብ ኣደባባያት ከተማ ውኖኦም የጥፍኡ ኣለዉ፣
ኣብ ሕቝፊ ኣዴታቶም ከለዉ፡ ህይወቶም* ትቕህም ኣላ።
מ [ሜም]
13 ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እንታይ እሞ ኸም ምስክር ክጥቀም እየ፧
ምስ ምንታይከ ኸመሳስለኪ እየ፧
ኣቲ ድንግል ጓል ጽዮን፡ ከጸናንዓክስ ምስ ምንታይ ከመዓራርየኪ እየ፧
መስበርትኽስ ከም ባሕሪ ዓብዪ እዩ።+ መን ኬሕውየኪ ይኽእል፧+
נ [ኑን]
14 እቲ ነብያትኪ ዝረኣዩልኪ ራእያት፡ ሓሶትን ባዶን እዩ ነይሩ፣+
ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ስሕተትኪ ኣየቃልዑን፣+
የግዳስ፡ ናይ ሓሶትን ዜስሕትን ከቢድ መልእኽትታት ርእዮምልኪ።+
ס [ሳሜኽ]
15 ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ ብንዕቀት ኣእዳዎም የጣቕዑልኪ ኣለዉ።+
“‘ፍጹም ዝጽባቐኣን ሓጐስ ኵሉ ምድርን እያ’ ዚብልዋ ኸተማ እዚኣ ድያ፧”+
እናበሉ ንጓል የሩሳሌም ብምግራም የፋጽዩላን+ ርእሶም ይንቕንቑላን ኣለዉ።
פ [ፌ]
16 ኵሎም ጸላእትኺ ኣፎም ናባኺ ኸፊቶም ኣለዉ።
“ውሒጥናያ።+ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኢና እንጽበያ ኔርና!+ መጺኣ፡ ርኢናያ ኸኣ!”+
እናበሉ የፋጽዩልክን ኣስናኖም ይሕርቅሙልክን ኣለዉ።
ע [ዓይን]
ብዘይ ርሕራሐ ኣፍሪሱ።+
ንጸላኢ ብኣኺ ኸም ዚሕጐስ ገይርዎ፣ ብርታዐ* ተጻረርትኺ ድማ ልዕል ኣቢሉ።
צ [ጻዴ]
18 ኣቲ መካበብያ ጓል ጽዮን፡ ልቦም ናብ የሆዋ የእዊ ኣሎ።
ንብዓት ከም ውሒዝ መዓልትን ለይትን ይውሓዝ።
ንርእስኺ ዕረፍቲ ኣይትሃቢ፡ ዓይንኺ* እውን ኣይተዕርፊ።
ק [ቆፍ]
19 ተንስኢ! ብለይቲ፡ ኣብ መጀመርታ ሓለዋታት ኣእውዪ።
ኣብ ቅድሚ ገጽ የሆዋ ልብኺ ኸም ማይ ኣፍስሲ።
ר [ሬሽ]
20 ኦ የሆዋ፡ ርአ፡ ነቲ ኣዚኻ ዝቐጻዕካዮ እውን ጠምቶ።
ኣንስቲዶ ፍረ ኸርሰንን ጥዑያት ደቀንን ይበልዓ፧+
ካህናትን ነብያትንዶኸ ኣብ መቕደስ የሆዋ ይቕተሉ፧+
ש [ሺን]
21 ቈልዑን ኣረገውትን ሞይቶም ኣብ ምድሪ ኣብ ጐደናታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።+
ደናግለይን* ኣጕባዘይን ብሰይፊ ወዲቖም እዮም።+
ብመዓልቲ ቝጥዓኻ ቐቲልካ፡ ብዘይ ርሕራሐ ኸኣ ሓሪድካ ኢኻ።+
ת [ታው]
22 ከም ንመዓልቲ በዓል፡+ ካብ ኵሉ ኣንፈት ሽበራ ጸዊዕካ።