መዝሙር
መዝሙር ምድያብ።
3 “ናብ ድንኳነይ፡ ናብ ቤተይ ኣይኣቱን እየ።+
ኣብ ዓራተይ፡ ኣብ መደቀስየይ በጥ ኣይብልን እየ።
4 ንኣዒንተይ ድቃስ፡
ንኸበሮ ዓይነይ ሰለምታ ኣይህብን እየ።
8 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ምስቲ ታቦት ብርታዐኻ
ናብ መዕረፊኻ ኽትመጽእሲ ተንስእ።+
9 ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፣
እሙናትካ ድማ እልል ይበሉ።
11 የሆዋ ንዳዊት ምሒሉሉ እዩ፣
ብርግጽ ድማ ቃሉ ኣይኪዓጽፍን እዩ።
14 “እዚኣ ንዘለኣለም መዕረፊተይ እያ፣
ባህገይ እዚ እዩ እሞ፡ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።+
15 ብሽሻይ ኣብዚሐ ኽባርኻ እየ፣
ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ።+
17 ኣብኣ ብርታዐ* ዳዊት ከዕቢ እየ።
ንቕቡአይ መብራህቲ ኣዳልየሉ ኣለኹ።+
18 ንጸላእቱ ሕፍረት ከልብሶም እየ፣
ኣብ ርእሱ ዘሎ ዘውዲ ግና ኪምዕብል እዩ።”+