16 ሰብ ሓሳባት ልቡ የዳሉ፣
እቲ ዚህቦ ምላሽ ግና ካብ የሆዋ እዩ።+
2 ሰብሲ ዅሉ መገድታቱ ቕኑዕ ይመስሎ፣+
የሆዋ ግና ውሽጣዊ ድራኸታት ይምርምር።+
3 እትገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣+
ውጥናትካ እውን ኪዕወት እዩ።
4 የሆዋስ ኵሉ ንዕላማኡ ገበሮ፣
እወ፡ ንእኩይ እኳ ንመዓልቲ ጥፍኣት ገበሮ።+
5 ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።+
ከይተቐጽዐ ኸም ዘይተርፍ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
6 ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕርን ብተኣማንነትን፡ ስሕተት ብዕርቂ ይኽደን፣+
ንየሆዋ ምፍራህ ከኣ ካብ ክፉእ የርሕቕ።+
7 የሆዋ ብመገድታት ሰብ ባህ ምስ ዚብሎ፡
ንጸላእቱ እኳ ምስኡ ሰላም የግብሮም።+
8 ካብ ብዙሕ እቶት ብዘይ ፍትሕስ፡
ሒደት ምስ ጽድቂ ይሓይሽ።+
9 ሰብ ብልቡ መገዱ ይሓስብ ይኸውን፣
ስጕምትታቱ ዜቕንዐን ግና የሆዋ እዩ።+
10 ውሳነ ኣምላኽ ኣብ ከናፍር ንጉስ ኪህሉ ይግባእ፣+
ኣብ ፍትሒ ኸቶ ዘይእሙን ኪኸውን የብሉን።+
11 ቅኑዕ መምዘንን ሚዛንን ካብ የሆዋ እዩ፣
ኵሉ እቲ ኣብ ከረጺት ዘሎ መምዘኒ፡ ተግባሩ እዩ።+
12 ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡+
እኩይ ተግባራት ኣብ ነገስታት ፍንፉን እዩ።+
13 ዘረባ ጽድቂ ንነገስታት ባህ የብሎም።
ብቕንዕና ዚዛረብ እውን የፍቅሩ።+
14 ነድሪ ንጉስሲ ኸም ልኡኽ ሞት እዩ፣+
ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦ።+
15 ኣብ ብርሃን ገጽ ንጉስ፡ ህይወት ኣሎ፣
ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ዝናም ጽብሓት እዩ።+
16 ምጥራይ ጥበብሲ ኻብ ወርቂ ኽንደይ ኰን ይበልጽ!+
ምጥራይ ኣእምሮ ድማ ካብ ብሩር ይሕረ።+
17 ጐደና ቕኑዓት ካብ ክፉእ ትርሕቕ።
ንመገዱ ዚሕልዋ፡ ንህይወቱ የዕቍባ።+
18 ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ፣
መንፈስ ትዕቢት ከኣ ቅድሚ ምዕንቃፍ እዩ።+
19 ምስ ዕቡያት ምርኮ ኻብ ምምቓልሲ፡
ኣብ መንጎ ዓቃላት፡ ትሑት ምዃን ይሓይሽ።+
20 እቲ ኣብ ነገር ልቦና ዜርኢ፡ ኣሳልጦ ይረክብ፣
ብየሆዋ ዚእመን ድማ ሕጉስ እዩ።
21 ጥበበኛ ዝልቡ ብዓል ኣእምሮ ይብሃል፣+
ጥዑም ዝዘረባኡ ዜእምን እዩ።+
22 ልቦና ንዚውንኖ ምንጪ ህይወት እዩ፣
ዓያሹ ግና ብዕሽነቶም ይግሰጹ።
23 ልቢ ጥበበኛ ንኣፉ ልቦና ይህቦ፣+
ንዘረባኡ ኸኣ ዜእምን ይገብሮ።
24 ባህ ዜብል ቃላት ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር እዩ፣
ንነፍሲ ጥዑም፡ ንኣዕጽምቲ ድማ ፈውሲ እዩ።+
25 ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣
ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።+
26 ሸቃሊ ብጥሜቱ ይግደድ እዩ እሞ፡
ሸውሃቱ ኸም ዚጽዕር ይገብሮ።+
27 ዘይጠቅም ሰብ ክፍኣት ይዅዕት፣+
ዘረባኡ ኸም ዜሕርር ሓዊ እዩ።+
28 መሸገሪ የባእስ፣+
ሓማዪ ኸኣ ንናይ ቀረባ ፈተውቲ ይፈላሊ።+
29 ዓማጺ ሰብ ንብጻዩ የስሕቶ፣
ናብ ጌጋ መገዲ ድማ ይመርሖ።
30 ጕድኣት ኪሓስብ ከሎ፡ ዓይኑ ይጸቅጥ።
ክፍኣቱ ኺፍጽም ከሎ፡ ከናፍሩ ይርምጥጥ።
31 ብመገዲ ጽድቂ ኺርከብ ከሎስ፡+
ሸያብ ጸጕሪ፡ ዘውዲ ጽባቐ እዩ።+
32 ንቝጥዓ ደንጓዪ፡+ ካብ ጅግና፡
ስምዒቱ ዚቈጻጸር ድማ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ይበልጽ።+
33 ዕጫ ናብ ሕቝፊ ይወድቕ፣+
ኵሉ እቲ ብእኡ ዚውሰን ውሳነ ግና ካብ የሆዋ እዩ።+