ሆሴእ
3 ኣሶር ኣይኬድሕነናን እዩ።+
4 ጥልመቶም ከሕዊ እየ።+
5 ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክዀኖ እየ፣
ከም ዕምባባ ሹሻን ኪዕምብብ፡
ከም ኣእዋም ሊባኖስ ድማ ሰራውሩ ኺሰድድ እዩ።
6 ውልዶታቱ ኺዝርጋሕ፡
ግርማኡ ኸም ኦም ኣውልዕ ኪኸውን፡
መዓዛኡ ኸም ናይ ሊባኖስ ኪኸውን እዩ።
7 ከም ብሓድሽ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ኪቕመጡ እዮም።
እኽሊ ኼብቍሉ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ድማ ኪጥጥዑ እዮም።+
ዝናኡ* ኸም ወይኒ ሊባኖስ ኪኸውን እዩ።
8 ኤፍሬም ከኣ፡ ‘ደጊምከ ምስ ጣኦታት እንታይ ዝገብሮ ኣሎኒ፧’ ኪብል እዩ።+
ኣነ ድማ ክምልስን ክሕልዎን እየ።+
ከም ልሙዕ ኦም ጽሕዲ* ክኸውን እየ።
ካባይ ፍረኻ ኺርከብ እዩ።”
9 ጥበበኛ መን እዩ፧ ነዚ ይረድኣዮ።
ኣስተውዓሊ መን እዩ፧ ነዚ ይፍለጦ።