20 ወይኒ መላገጺ፡+ ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፣+
ብእኡ ዚስሕት ጥበበኛ ኣይኰነን።+
2 ንጉስ ከም ሕኒንታ ሽደን ኣንበሳ የሸብር፣+
ዜቘጥዖ ድማ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ የእቱ።+
3 ንሰብሲ ኻብ ባእሲ ምርሓቕ፡ ክብሩ እዩ፣+
ዓሻ ዘበለ ግና ህሩግ ኢሉ ናብኡ ይኣቱ።+
4 ሃካይ ብኽረምቲ ኣይሓርስን፣
ስለዚ፡ ብቐውዒ ሓንቲ እኳ ዘይብሉ ምስ ኰነ፡ ይልምን።+
5 ሓሳባት ልቢ ሰብ ከም ዓሚቝ ማያት እዩ፣
ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ይቐድሖ።
6 ብዙሓት ሰባት ብተኣማንነት ብዛዕባ ዜርእይዎ ፍቕሪ ይዛረቡ፣
እሙን ሰብ ግና መን ይረኽቦ፧
7 ጻድቕ ብንጽህናኡ ይመላለስ።+
ድሕሪኡ ዚመጹ ደቁ ሕጉሳት እዮም።+
8 ንጉስ ኪዳኒ ኣብ ዝፋን ምስ ዚቕመጥ፡+
ንዅሉ እከይ ብኣዒንቱ መምዩ የውጽኦ።+
9 “ንልበይ ኣጽርየዮ፣
ካብ ሓጢኣተይ ንጹህ እየ” ኺብል ዚኽእል መን እዩ፧+
10 ዘይቅኑዕ መምዘንን ዘይልክዕ መስፈርን፡
ክልቲኡ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።+
11 ቈልዓ እኳ ጠባዩ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ዀይኑ፡
ብተግባራቱ ይፍለጥ እዩ።+
12 ንእትሰምዕ እዝንን ንእትርኢ ዓይንን፡
ንኽልቲአን ዝገበረን የሆዋ እዩ።+
13 ድቃስ ኣይትፍቶ፡ እንተ ዘይኰነስ ክትደኪ ኢኻ።+
ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ፡ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።+
14 ዓዳጊ፡ “ሕማቕ እዩ፡ ሕማቕ እዩ!” ይብል፣
ድሕሪኡ፡ መገዱ ኸይዱ፡ ብዛዕባ ርእሱ ይምካሕ።+
15 ወርቅን ብዙሕ ኣዕናቝን ኣሎ፣
ከናፍር ፍልጠት ግና ክቡራት እየን።+
16 ንዘይፈልጦ ንእተዋሕሰ፡ ክዳኑ ውሰደሉ፣+
ካብቲ ንጓና ሰበይቲ ኸምኡ ዝገበረ፡ ትሕጃ ውሰድ።+
17 ብምትላል ዚርከብ እንጌራ ንሰብ ጥዑም እዩ፣
ደሓር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ።+
18 ውጥናት ብምኽሪ ይሰልጥ፣+
ብጥበባዊ መምርሒ ኸኣ ተዋጋእ።+
19 ሓማዪ እናዞረ ምስጢር ይቐልዕ፣+
ወረ ምስ ዚፈቱ ሰብ ኣይትሕበር።
20 ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚረግም፡
ጸልማት ኪመጽእ ከሎ፡ መብራህቱ ይጠፍእ።+
21 ኣብ ፈለማ ብስስዐ እተረኽበ ርስቲ፡
ኣብ መወዳእታ ኣይባረኽን።+
22 “ክፉእ ክፈዲ እየ!” ኣይትበል፣+
ብየሆዋ ተስፋ ግበር፣+ ንሱ ድማ ኬድሕነካ እዩ።+
23 ዘይቅኑዕ መምዘኒ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣
ዜታልል ሚዛን ከኣ ጽቡቕ ኣይኰነን።
24 ስጕምቲ ሰብ ብየሆዋ እዩ ዚቐንዕ፣+
ሰብ ከመይ ገይሩ ንመገዱ ኺርድኣ ይኽእል፧
25 ሰብ ተሃዊኹ “ቕዱስ!” ድሕሪ ምባሉ+
ነቲ መብጽዓኡ ዚምርምሮ እንተ ዀይኑ፡ መፈንጠራ ይዀኖ።+
26 ጥበበኛ ንጉስ ንእኩያት መምዩ የውጽኦም፣+
ኣብ ልዕሊኦም ከኣ መንኰርኰር መኼዳ የኽይድ።+
27 ትንፋስ ሰብሲ መብራህቲ የሆዋ እዩ፣
እዚ ንውሽጣዊ እንታይነቱ ይምርምሮ።
28 ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ንንጉስ ይሕልዋኦ፣+
ንሱ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ንዝፋኑ የጽንዖ።+
29 ንኣጕባዝሲ ሓይሎም ክብሮም እዩ፣+
ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ግርማኦም እዩ።+
30 ስምብራትን ቍስልን ካብ እከይ የንጽህ፣+
መውቃዕቲ ድማ ውሽጣዊ እንታይነት የጽሪ።