ሚልክያስ
4 “እንሆ፡ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ፣+ ሽዑ፡ ኵሎም ተዳፈርትን ኵሎም እከይ ዚገብሩን ከም ሓሰር ኪዀኑ እዮም። እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ብርግጽ ክትበልዖም እያ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ሱር ኰነ ጨንፈር እውን ኣይክትሓድገሎምን እያ። 2 ንዓኻትኩም ስመይ ንእተኽብሩ* ግና፡ ጸሓይ ጽድቂ ኣብ ጩራታታ* ምሕዋይ ሒዛ ኽትበርቕ እያ፣ ከም ዝሰብሑ ምራኹት ድማ ክትዕንድሩ ኢኹም።”
3 “በታ ስጕምቲ ዝወስደላ መዓልቲ፡ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ ኣእጋርኩም ከም ሓመድ ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ንእኩያት ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክትረግጽዎም ኢኹም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
4 “ሕጊ ጊልያይ ሙሴ፡ እቲ ዅሉ እስራኤል ኪእዘዞ ኣብ ሆሬብ ዝሃብክዎ ስርዓታትን ፍርድታትን ዘክሩ።+
5 “እንሆ፡ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ኸይመጸት፡+ ነብዪ ኤልያስ እልእከልኩም ኣለኹ።+ 6 ኣነ መጺአ ንምድሪ ምእንቲ ኸይወቕዓን ከየጥፍኣንሲ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ እውን ናብ ኣቦታት ኪመልስ እዩ።”+
(ትርጉም ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ-ኣራማይስጢ ኣብዚ ይውዳእ፣ ትርጉም ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ስዒቡ ይርከብ)