ኢሳይያስ
ፍቑረይ ኣብ ፍርያም ኵርባ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።
2 ኰዓቶ፡ ኣእማኑ ድማ ኣውጽአ።
ወይኒ ኼፍሪ ኸኣ ተጸበየ፣
ግናኸ፡ ወይኒ መሮር ጥራይ ኣፍረየ።+
3 “ሕጂ ድማ፡ ኣቱም ነበርቲ የሩሳሌምን ሰብ ይሁዳን፡
ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን በጃኹም ፍረዱ።+
4 ንኣታኽልቲ ወይነይሲ ዛጊት ዘይገበርኩሉ+
እንታይ ተወሳኺ ነገር ክገብረሉ ምኸኣልኩ ነይረ፧
ስለምንታይ ደኣ ወይኒ ኽረክብ ምስ ተጸበኹስ፡
ወይኒ መሮር ጥራይ ዘፍረየለይ፧
5 ሕጂ ድማ፡ ንኣታኽልቲ ወይነይ እንታይ ከም ዝገብሮ
እስከ ኽነግረኩም፦
ሓጹሩ ኸልግሶ እየ፣
ከንድዶ እውን እየ።+
መንደቑ ኸፍርሶ እየ፣
ኪርገጽ እውን እዩ።
6 ከባድሞ እየ፣+
ኣይኪጥጠፍን ወይ ኣይኪጫዀርን እዩ።
ፍትሒ ተጸበየ፣+
እንሆ ግና፡ ዘይፍትሓውነት።
ጽድቂ ተጸበየ፣
እንሆ ግና፡ ኣውያት።”+
8 ነቶም ስፍራ ኽሳዕ ዚሰኣን፡
ኣብ ሓደ ቤት ካልእ ቤት ዜላግቡ፡+
ኣብ ሓደ ግራት ከኣ ካልእ ግራት ዚውስኹ ወይለኦም፣+
ንስኻትኩምሲ በይንኹም ኣብታ ምድሪ ኽሳዕ እትነብሩ ኸምኡ ትገብሩ።
11 እቶም ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡+
ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም!
15 ሰብ ድማ ትሕት ኪብል፡
ሰብ ከኣ ኪዋረድ እዩ፣
ኣዒንቲ ዕቡያት እውን ኪዋረዳ እየን።
17 ገንሸላት* ከኣ ከም ኣብ መጓሰይኦም ኪበልዑ እዮም፣
ጓኖት ኣብቲ ስቡሓት እንስሳታት ዝነበርዎ ዝባደመ ቦታታት ኪምገቡ እዮም።
18 እቶም ንበደሎም ብኣግማድ ምትላል፡
ንሓጢኣቶም ድማ ብመጥመሪ ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም!
19 እቶም፡ “ዕዮኡ የፍጥን፣
ምእንቲ ኽንርእዮስ ቀልጢፉ ይምጻእ።
20 እቶም ንጽቡቕሲ ኽፉእ፡ ንኽፉእ ከኣ ጽቡቕ ዚብሉ፡+
ንጸልማት ብብርሃን፡ ንብርሃን ድማ ብጸልማት ዚትክእዎ፡
ንመሪር ጥዑም፡ ንጥዑም እውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም!
21 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጥበበኛታት፡
ብርእይቶኦም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም!+
22 እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚብርትዑ፡
ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ምሕውዋስ ድማ ዋናታት ዚዀኑ ወይለኦም!+
24 ስለዚ፡ ንሕጊ* የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነጺጎምዎ፡
ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እውን ንዒቖምዎ እዮም እሞ፡
ከምቲ ልሳን ሓዊ ንሓሰር ዜንድዶ፡
ከምቲ ንቑጽ ሳዕሪ ኸኣ ብሃልሃልታ ዚቕምርር፡
ሱሮም ኪምሽምሽ፡
ዕምባባኦም ድማ ከም ተጐጓ ፋሕ ኪብል እዩ።+
25 ስለዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ኺነድድ፡
ኢዱ ኣብ ልዕሊኦም ኪዝርግሕ እሞ ኺወቕዖም እዩ።+
ኣኽራን ኬንቀጥቅጡ፡
ሬሳታቶም ድማ ኣብ ጐደናታት ከም ጐሓፍ ኪዀኑ እዮም።+
ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣
ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።
27 ድኹም ወይ ዚዕንቀፍ ኣብ መንጎኦም የልቦን።
ትኽስ ዚብል ወይ ዚድቅስ እውን የልቦን።
ዕጣቕ ሕቘኦም ኣይፍታሕን፡
ስራኽ ሳእኖም እውን ኣይብተኽን እዩ።
28 ኵሉ ፍላጻታቶም በሊሕ፡
ኵሉ ቐስትታቶም ድማ ግቱር* እዩ።
ሸዀናታት ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፡
መንኰራዅሮም ከኣ ከም ህቦብላ ንፋስ እዩ።+
29 ጓዝማኦም ከም ናይ ኣንበሳ እዩ፣
ከም ሽደን ኣንበሳ ድማ ይጓዝሙ።+
ሕኒን ይብሉን ንግዳዮም ይሕዙን፣
ዜናግፎ ዘይብሉ እውን ይወስድዎ።
30 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከም ጕርምርምታ ባሕሪ፡
ኣብ ልዕሊኡ ጕርምርም ኪብሉ እዮም።+
ናብታ ምድሪ ዚጥምት ዘበለ ዜጨንቕ ጸልማት ኪርኢ እዩ፣
ብርሃን እኳ እንተ ዀነ፡ ብሰንኪ ደበናታት ጸልሚቱ እዩ።+