ኢሳይያስ
ብተኣማንነት ፍትሒ ኼምጽእ እዩ።+
5 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ፡
እቲ ፈጣሪ ሰማያትን እቲ ንዓታቶም ዝገተሮም ዓብይን፡+
እቲ ንምድርን ንፍርያታን ዝዘርግሐ፡+
እቲ ኣብኣ ንዘሎ ህዝቢ ትንፋስ፡+
ኣብኣ ንዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሃበ ኸምዚ ይብል፦+
6 “ኣነ የሆዋ ብጽድቂ ጸዊዐካ ኣለኹ፣
ብኢድካ ሒዘካ ኣለኹ።
9 እንሆ፡ እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ፣
ሕጂ፡ ሓድሽ ነገር እነግረኩም ኣለኹ።
ከይተቐልቀለ፡ ብዛዕባኡ ኸስምዓኩም እየ።”+
10 ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን ንዕኡ እትመልእዎ ዘበልኩም ኵላትኩምን፡
ኣትን ደሴታትን ኣቱም ነበርተንን፡+
ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር፡+
ውዳሰኡ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምሩሉ።+
ነበርቲ ኸውሒ እልል ይበሉ፣
ካብ ርእሲ ኣኽራን ይጨድሩ።
12 ንየሆዋ ኽብሪ ይሃብዎ፣
ውዳሰኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ።+
13 የሆዋ ኸም ጅግና ኺወጽእ እዩ።+
ከም ተዋጋኢ ቕንኣቱ ኼነቓቕሕ እዩ።+
ኪጭድር፡ እወ፡ ጭድርታ ውግእ ኪጭድር እዩ፣
ካብ ጸላእቱ ኸም ዚብርትዕ ኬርኢ እዩ።+
14 “ነዊሕ ግዜ ስቕ ኢለ እየ።
ኣጽቂጠን ርእሰይ ገቲአን እየ።
ትወልድ ከም ዘላ ሰበይቲ፡
ብሓንሳእ ክግዕርን ክልህልህን ክንኣኽን እየ።
15 ንኣኽራንን ንዅርባታትን ከባድሞ፡
ንዅሉ ኣትክልቶም ድማ ከንቅጾ እየ።
እዚ ኽገብረሎም፡ ኣይክሓድጎምን እውን እየ።”
18 ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፣
ኣቱም ዕዉራት፡ ጠምቱን ርኣዩን።+
19 ብዘይካ ጊልያይሲ፡ መን እዩ ዕዉር፧
ከምቲ ዝለኣኽክዎ ልኡኽ ጸማም ዝዀነኸ መን እዩ፧
ከምቲ ዓስቡ ዝሃብክዎ ዕዉር ዝዀነ፡
ከም ጊልያ የሆዋ ዕዉር ዝዀነ መን እዩ፧+
20 ብዙሕ ነገር ትርኢ፡ ግናኸ ኣይትሕሉን።
ኣእዛንካ ትኸፍት፡ ግናኸ ኣይትሰምዕን።+
21 የሆዋ ምእንቲ ጽድቁ ኢሉ፡
ንሕጉ* ኼዕብዮን ኬኽብሮን ባህ ኢልዎ ኣሎ።
ዜናግፎም ዘይብሎም ተዘሚቶም፣+
“ምለሶም!” ዚብል ዘይብሎም ድማ ተዘሪፎም።
23 ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል መን እዩ፧
ንዚመጽእ ግዜ ዜቕልቦን ዚሰምዖንከ መን እዩ፧
24 ያእቆብ ንዘረፋ፡
እስራኤል ድማ ንዘመተ ኣሕሊፉ ዝሃበ መን እዩ፧
እቲ ዝበደልናዮ የሆዋ ደይኰነን፧
25 ስለዚ፡ ኵራን ቍጥዓኡን
ነድሪ ውግእን ከዓወሉ።+
እዚ ኣብ ዙርያኡ ንዘሎ ዅሉ እኳ እንተ በልዖ፡ ኣየስተብሃለን።+
ዋላ እኳ እንተ ኣባርዖ፡ ኣብ ልቡ ኣየሕደሮን።+