መሲሓዊ ትንቢታት፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ የረጋግጽ ድዩ፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
እወ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ “እቲ መሲሕ፡ እቲ መራሒ” እተነግረ ሓያሎ ትንቢታት ፈጺሙ እዩ፣ እቲ መሲሕ እውን “መድሓን ዓለም” ከም ዚኸውን ተገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 9:25፣ 1 ዮሃንስ 4:14) የሱስ ድሕሪ ሙማቱ እውን ከይተረፈ፡ መሲሓዊ ትንቢታት ፈጺሙ እዩ።—መዝሙር 110:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:34-36።
“መሲሕ” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
እታ ማሺያሕ (መሲሕ) እትብል ቃል እብራይስጥን እታ ክሪስቶስ (ክርስቶስ) እትብል ቃል ግሪኽኛን “ቅቡእ” ዚብል ሕደ ትርጉም ኣለወን። ስለዚ፡ “የሱስ ክርስቶስ” ኪብሃል ከሎ፡ “የሱስ እቲ ቕቡእ” ወይ “የሱስ እቲ መሲሕ” ማለት እዩ።
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ንፍሉይ ስልጣን ኪሽየም ከሎ፡ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ ይቕባእ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 8:12፣ 1 ሳሙኤል 16:13) ንየሱስ መሲሕ ኪኸውን ዝቐብኦ ድማ ኣምላኽ እዩ ነይሩ፣ መሲሕ ምዃን ከኣ ዓብዪ ስልጣን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:36) ግናኸ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ብዘይቲ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ቐቢእዎ።—ማቴዎስ 3:16።
ነቲ መሲሓዊ ትንቢታት ልዕሊ ሓደ ሰብ ኪፍጽሞ ይኽእል ድዩ፧
ኣይፋልን። ከምቲ ሓደ ሰብ ብኣሰር ኣጻብዑ ዚልለ፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ናብ ሓደ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ምእንቲ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን እውን ኪገብሩ እዮም” ኢሉ የጠንቅቕ እዩ።—ማቴዎስ 24:24።
መሲሕ ኣብ መጻኢ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧
ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መሲሕ ካብ ዘርኢ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ከም ዚመጽእ ይንበ እዩ። (መዝሙር 89:3, 4) ይኹን እምበር፡ እቲ ኽሳዕ ዳዊት ዚዝርዝር መዛግብቲ ወለዶ ጠፊኡ እዩ፣ ሮማውያን ብ70 ድ.ክ. ንየሩሳሌም ኣብ ዝሰዓሩሉ እዋን ከኣ እዩ ጠፊኡ ኪኸውን ዚኽእል።a ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ካብ ወለዶ ነገስታት ዳዊት ከም ዝዀነ መርትዖ ኬቕርብ ዚኽእል ሰብ የልቦን። ብግዜ የሱስ ግና እቲ መዛግብቲ ወለዶ ነይሩ እዩ፣ የሱስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ምዃኑ ኣብ ዚገልጸሉ እዋን ከኣ ጸላእቱ ነዚ ኣይተቓወምዎን።—ማቴዎስ 22:41-46።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ መሲሓዊ ትንቢታት ኣሎ፧
መሲሓዊ ትንቢታት ክንድዚ እዩ ኢልካ ውሱን ቍጽሪ ኺውሃቦ ኣይከኣልን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብንጹር መሲሓዊ ዝዀነ ኽፋል እኳ፡ ክንደይ ትንቢታት ከም ዘሎ ብመሰረት እቲ እንጥቀመሉ ሜላ ኣቈጻጽራ ኺፈላለ ይኽእል እዩ። ኣብ ኢሳይያስ 53:2-7 ብዛዕባ መሲሕ ብዙሕ ትንቢታዊ ነጥብታት ተጠቒሱ ኣሎ። ገሊኦም ሰባት ነዚ ኣብዚ ዘሎ ብምሉኡ ኸም ሓደ ትንቢት ኪቘጽርዎ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ንዅሉ እቲ ነጥብታት በበይኑ ትንቢታት ከም ዝዀነ ገይሮም ይቘጽርዎ እዮም።
ኣብ የሱስ እተፈጸመ ገለ ኻብ መሲሓዊ ትንቢታት
ትንቢት |
ዚርከበሉ |
ፍጻመ |
---|---|---|
ካብ ዘርኢ ኣብርሃም |
||
ካብ ዘርኢ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም |
||
ካብ ወለዶ እቲ እስራኤላዊ ነገድ ይሁዳ |
||
ካብ ወለዶ ንጉስ ዳዊት |
||
ካብ ድንግል ይውለድ |
||
ኣብ ቤት-ልሄም ይውለድ |
||
ኣማኑኤልb ተባሂሉ ይስመ |
||
ትሑት ጅመራ |
||
ምስ ተወልደ፡ ሕጻናት ይቕተሉ |
||
ካብ ግብጺ ይጽዋዕ |
||
ናዝሬታዊc ይብሃል |
||
ልኡኽ ቀቅድሚኡ ይመጽእ |
||
ብ29 ድ.ክ. መሲሕ ኰይኑ ይቕባእd |
||
ኣምላኽ ንዕኡ፡ “ወደይ” ይብሎ |
||
ንቤት ኣምላኽ ቅንኣት ይህልዎ |
||
ሰባኺ ብስራት |
||
ኣብ ገሊላ ዚፍጽሞ ኣገልግሎት ዓብዪ ብርሃን |
||
ከም ሙሴ ገባር ተኣምራት ይኸውን |
||
ከም ሙሴ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ይዛረብ |
||
ሕማም ብዙሓት የሕዊ |
||
ናብ ርእሱ ቘላሕታ ኣይስሕብን |
||
ንውጹዓት ይርሕርሓሎም |
||
ፍትሒ ኣምላኽ ይገልጽ |
||
ግሩም መኻሪ |
||
ስም የሆዋ ይነግር |
||
ብምሳሌታት ይዛረብ |
||
መራሒ |
||
ብዙሓት ብእኡ ኣይኣመኑን |
||
እምኒ መዐንቀፊ |
||
ብሰባት ንዑቕ |
||
ብዘይ ምኽንያት ይጽላእ |
||
ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ብዓጀባ ናብ የሩሳሌም ይኣቱ |
||
ቈልዑ ይውድስዎ |
||
ብስም የሆዋ ይመጽእ |
||
ዚኣምኖ ብጻዩ ይጠልሞ |
||
ብ30 ብሩር ኣሕሊፍካ ይውሃብe |
||
ፈተውቱ ይሓድግዎ |
||
ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣንጻሩ ይምስክሩ |
||
ኣብ ቅድሚ ኸሰስቱ ስቕ ይብል |
||
ጡፍ ይብሉሉ |
||
ርእሱ ይወቕዕዎ |
||
ይገርፍዎ |
||
ንዚወቕዕዎ ኣይጻረሮምን |
||
መራሕቲ መንግስቲ ውዲት ይኣልሙሉ |
||
ኣእዳዉን ኣእጋሩን ይሽንክርዎ |
||
ንኽዳውንቱ ዕጫ የውድቑሉ |
||
ምስ ሓጥኣን ይቝጸር |
||
የላግጹሉ፡ ይጸርፍዎ |
||
ምእንቲ ሓጥኣን መከራ ይጸግብ |
||
ኣምላኽ ዝሓደጎ ይመስል |
||
ኪሰቲ መጺጽን ሓሞትን ይውሃቦ |
||
ቀቅድሚ ሙማቱ ይጸምእ |
||
መንፈሱ ንኣምላኽ የማዕቍብ |
||
ህይወቱ ይህብ |
||
ሓጢኣት ንምውጋድ በጃ ይኸፍል |
||
ኣዕጽምቱ ኣይስበርን |
||
ይውጋእ |
||
ምስ ሃብታማት ይቕበር |
||
ካብ ምዉታት ይትንስእ |
||
ከዳዕ ብኻልእ ይትካእ |
||
ኣብ የማን ኣምላኽ ይቕመጥ |
a ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ፡ “እቲ መዛግብቲ ነገድን ዓሌትን ኣይሁድ፡ የሩሳሌም ቅድሚ ምጥፋኣ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዝጠፍኣትሉ ግዜ [ኣብ 70 ድ.ክ.] ከም ዝጠፍአ ኣየጠራጥርን እዩ” ይብል።
b እቲ “ኣምላኽ ምሳና እዩ” ዝትርጉሙ ኣማኑኤል ዚብል ናይ እብራይስጢ ስም፡ ነቲ የሱስ ከም መሲሕ ዘለዎ ግደ ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋንን ተግባሩን፡ ኣምላኽ ምስ ኣምለኽቱ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—ሉቃስ 2:27-32፣ 7:12-16።
c “ናዝሬታዊ” እትብል ስያመ፡ “ብቋል” ካብ ዝትርጉማ ነጸር እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት ክትከውን ትኽእል እያ።
d መሲሕ ብ29 ድ.ክ. ከም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕብር ብዝርዝር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ትንቢት ዳንኤል ንምምጻእ እቲ መሲሕ እተነበየሉ መገዲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።