መክብብ
11 ንእንጌራኻ ናብ ማያት ደርብዮ፣*+ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታትሲ መሊስካ ኽትረኽቦ ኢኻ።+ 2 ኣብ ምድሪ ኸመይ ዝበለ መዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ንሸውዓተ፡ አረ ንሸሞንተ እውን ካብ ግደኻ ሃብ።+
3 ደበና ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የዝንሞ፣ ኦም ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን እንተ ወደቐት፡ እታ ኦም ኣብታ ዝወደቐትላ ቦታ በጥ ትብል።
4 ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፣ ንደበና ዚርኢ ኸኣ ኣይዓጽድን።+
5 ከምቲ መንፈስ ኣብ ኣዕጽምቲ እቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ዘሎ ሕጻን* ከመይ ከም ዚዓዪ ዘይትፈልጥ፡+ ከምኡ ድማ ንግብሪ እቲ ዅሉ ዚገብር ናይ ሓቂ ኣምላኽ እውን ኣይትፈልጦን ኢኻ።+
6 ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ኢድካ ኣይተዕርፍ፣+ ከመይሲ፡ ኣየናዩ ኸም ዚሰልጥ፡ እዚ ወይስ እቲ፡ ወይ ክልቲኡ ጽቡቕ እንተ ዀነ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ።
7 ብርሃን ጥዑም እዩ፣ ጸሓይ ምርኣይ ከኣ ንኣዒንቲ ጽቡቕ እዩ። 8 ሰብሲ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ፡ ብዅላተን ይተሓጐስ።+ መዓልትታት ጸልማት ኪበዝሓ ኸም ዚኽእላ ግና ይዘክር፣ ኵሉ እቲ ዚመጽእ፡ ከንቱነት እዩ።+
9 ኣታ ጐበዝ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፣ ብመዓልትታት ንእስነትካ ድማ ልብኻ ይተሓጐስ። መገድታት ልብኻ ስዓብ፣ ኣዒንትኻ ናብ ዝመርሓኻ እውን ኪድ። ግናኸ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ናብ ፍርዲ ኸም ዜምጽኣካ* ፍለጥ።+ 10 ንእስነትን ብጽሕነትን ከንቱነት እዩ እሞ፡ ስለዚ፡ ኣብ ጸገም ዜእቱ ነገር ካብ ልብኻ፡ ጐዳኢ ነገር ድማ ካብ ሰብነትካ* ኣወግድ።+