ዮናስ
2 ሽዑ፡ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ የሆዋ ኣምላኹ ጸለየ፡+ 2 ከምዚ እውን በለ፦
“ካብ ጭንቀይ እተላዕለ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፣ ንሱ እውን መሊሱለይ።+
ንስኻ ድማ ድምጸይ ሰሚዕካ።
3 ናብ መዓሙቝ፡ ናብ ልቢ ባሕሪ ምስ ደርበኻኒ፡
ሽዑ፡ ወሓይዝ ውሒጡኒ።+
ሞገዳትካን ማዕበላትካን ብልዕለይ ሓሊፉ።+
4 ኣነ ኸኣ፡ ‘ካብ ኣዒንትኻ ተሰጒጐ እየ!
ከመይ ገይረ ነታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስ ክጥምታ እየ፧’ ኢለ።
ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጢሙ።
6 ናብ እግሪ ኣኽራን ሰጢመ።
ተገዳማት ምድሪ ንዘለኣለም ኣብ ልዕለይ ይዕጾ ነይሩ።
ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውጺእካያ።+
7 ህይወተይ* ክትቅህም ከላ፡ ንየሆዋ ዘኪረዮ።+
ሽዑ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስካ ኣትዩ።+
8 እቶም ንኸንቱ ጣኦታት ውፉያት ዝዀኑ፡ ንምንጪ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ* ይሓድግዎ።
9 ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ እየ።
እተመባጻዕክዎ ኽፍጽም እየ።+
ድሕነት ካብ የሆዋ እዩ።”+
10 የሆዋ ኸኣ ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፣ ንሱ ድማ ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።