2 ዮሃንስ
1 ካብቲ ሽማግለ፡ ናብታ ሕርይቲ እመቤትን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፣ ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩስ፡ ኵሎም እቶም ንሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ እውን የፍቅርዎም እዮም። 2 ስለ እታ ኣባና ዘላን ንዘለኣለም ምሳና እትነብርን ሓቂ ኢልና ኢና ኸኣ እነፍቅሮም። 3 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣቦን፡ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምስ ሓቅን ፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ።
4 ገለ ኻብ ደቅኺ፡ ከምቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ በታ ሓቂ ዚመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ ኣለኹ።+ 5 ሕጂ ድማ፡ እመቤት፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኪ ኣለኹ። (ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኰነስ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና እየ ዝጽሕፈልኪ ዘለኹ።)+ 6 ፍቕሪ ማለት ከኣ፡ ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ እያ።+ ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ጌርኩም ብእኡ ኽትመላለሱ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ፡ እዚ እዩ። 7 የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ+ ብዙሓት መስሓትቲ ኣብ ዓለም ተንሲኦም ኣለዉ።+ እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ።+
8 ምሉእ ዓስቢ ኽትረኽቡ እምበር፡ ነቲ ዝጸዓርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።+ 9 እቲ ሓሊፉ ዚኸይድን ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዘይጸንዕን፡ ኣምላኽ የብሉን።+ እቲ ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን ኣለውዎ።+ 10 ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጺኡ እሞ ነዚ ትምህርቲ እዚ እንተ ዘየምጺኡ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡+ ሰላም እውን ኣይትበልዎ። 11 እቲ ሰላም ዚብሎስ ተኻፋሊ እቲ እኩይ ግብሩ እዩ።
12 ብዙሕ ዝጽሕፈልኩም ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይደልን እየ፣ ግናኸ፡ ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእን ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩምን ተስፋ እገብር ኣለኹ።
13 ደቂ እታ ሕርይቲ ሓብትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።