እዮብ
9 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “እዚ ኸምኡ ምዃኑስ ብሓቂ እፈልጥ እየ።
መዋቲ ሰብ ግና ከመይ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጸድቕ፧+
4 ንሱ ጥበበኛ ዝልቡን ብርቱዕ ዝሓይሉን እዩ።+
ተጻሪርዎስ ከይተጐድአ ዚተርፍ መን እዩ፧+
5 ንሱ ሓደ እኳ ኸይፈለጠ፡ ኣኽራን የግዕዝ፣*
ብቝጥዓኡ እውን ይግልብጦም።
6 ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውጻ፣
ኣዕኑዳ እውን የንቀጥቅጡ።+
9 ንሱ ንጭፍራታት ከዋኽብቲ ዓሽን* ከሲልን* ኪማን*+
ንጭፍራታት ከዋኽብቲ ደቡባዊ ሰማይን* ገበሮም፣
10 ዓበይትን ዘይምርመርን ነገራት፡+
ኪቝጸር ዘይከኣል ዜደንቕ ነገራት ይገብር።+
11 ንሱ ብጥቓይ ይሓልፍ፡ ኣነ ድማ ክርእዮ ኣይክእልን፣
ብጥቓይ ከኣ ሓሊፉ ይኸይድ፡ ኣነ ግና ኣየስተውዕሎን።
12 ንሱ እንተ መንጢሉ፡ መን ኪጻረሮ ይኽእል፧
መንከ፡ ‘እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧’ ኪብሎ ይኽእል፧+
14 ኣነ ኽምልሰሉ ኸለኹ ግዳ፡
ምስኡ ንምምጓት ክንደይ ተጠንቂቐ ቓላት ዘይመርጽ!
15 ቅኑዕ እኳ እንተ ዝኸውን፡ ኣይምመለስኩሉን።+
ካብ ፈራድየይ* ምሕረት ጥራይ እየ ኽልምን ዝኽእል።
16 እንተ ዝጽውዖስ፡ ይምልሰለይዶ፧
18 ከተንፍስ ኣይሓድገንን፡
ብመሪር ነገራት ድማ የጽግበኒ ኣሎ።
20 ኣነ ቕኑዕ እንተ ዝኸውን፡ ኣፈይ ምዀነነትኒ፣
ንጽህናይ እኳ እንተ ዝሕሉ፡ በደለኛ* ምገበረኒ ነይሩ።
22 ኵሉ ሓደ እዩ፣ ስለዚ እየ፡
‘ንሱ ንንጹህ ኰነ ንእኩይ የጥፍኦም’ ዝብል ዘለኹ።
23 ደምሳሲ ውሒዝ ብሃንደበት እንተ ቐቲሉ፡
ብቕብጸት ንጹሃት የላግጽ።
ንሱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን ደኣ እዩ፧
25 ሕጂ፡ መዓልትታተይ ካብ ጐያዪ ይፈጥና፡+
ጽቡቕ ከይረኣያ ኸኣ ይሃድማ ኣለዋ።
26 ከም ጃልባ ሻምብቆ፡
ናብ ግዳዩ ኸም ዚንቈት ንስሪ ይሓልፋ።
29 በዳሊ* ዀይነ ምተረኸብኩ።
ስለዚ፡ ስለምንታይ ንኸንቱ ዝቃለስ፧+
32 ከይምልሰሉ፡ ብሓደ ናብ ቤት ፍርዲ ኸይንኸይድሲ፡
ከማይ ሰብ ኣይኰነን።+