ዘሁልቍ
31 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሚድያናውያን ሕነ ፍደየሎም።+ ድሕሪኡ፡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ።”*+
3 ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ኣብቲ ምስ ሚድያን ዚግበር ውግእ* ኬገልግሉን ኣብ ልዕሊ ሚድያን ሕነ የሆዋ ኺፈድዩን፡ ካባኻትኩም ሰባት ኣዕጥቑ። 4 ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ 1,000 ናብቲ ሰራዊት ስደዱ።” 5 ካብ ኣሽሓት እስራኤል ድማ፡+ ከካብ ነገድ 1,000 ተመደቡ፣ 12,000 ከኣ ንውግእ* ተዓጥቁ።
6 ሽዑ፡ ሙሴ ነቶም ከካብ ነገድ 1,000 ዝወጹ፡ ናብ ውግእ ሰደዶም፣ እቲ ቕዱስ ኣቕሑን መለኸታት ምልክትን+ ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ካህን እቲ ሰራዊት እውን ምሳታቶም ነበረ። 7 ንሳቶም ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምስ ሚድያን ተዋግኡ፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ድማ ቀተሉ። 8 ንነገስታት ሚድያን፡ ማለት ነቶም ኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን ዚብሃሉ ሓሙሽተ ነገስታት ሚድያን ከኣ፡ ምስቶም ካልኦት ቅቱላት ቀተልዎም። ንበላዓም ወዲ ቤዖር እውን ብሰይፊ ቐተልዎ።+ 9 እስራኤላውያን ግና፡ ኣንስትን ቈልዑን ማረኹ። ኵለን እንስሳታት ዘቤትን ኵለን ማሎምን ኵሉ ጥሪቶምን ከኣ ዘመቱ። 10 ኵለን እተን ዝሰፈሩለን ከተማታትን ኵሉ ሰፈራቶምን* ድማ ብሓዊ ኣንደዱ። 11 ኵሉ እቲ እተሰልበን ኵሉ እቲ እተዘምተን፡ ማለት ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ወሰዱ። 12 ነቶም ምሩኻትን ነቲ እተዘምተን ነቲ እተሰልበን ከኣ፡ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኣኼባ እስራኤላውያንን፡ ናብቲ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡+ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ዝነበረ ሰፈር ኣምጽእዎ።
13 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኵሎም ሹማምንቲ እቲ ኣኼባን ድማ፡ ኪቕበልዎም ናብ ወጻኢ ወጹ። 14 ሙሴ ግና በቶም ካብ ውግእ እተመልሱ ኣብቲ ሰራዊት እተሸሙ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ተቘጥዐ። 15 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንዅለን ደቂ ኣንስትዮዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፧ 16 እንሆ፡ ኣብቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብቓል በላዓም፡ ንእስራኤላውያን ንየሆዋ ኸም ዚጠልሙ ዝገበራኦም ንሳተን እየን፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣኼባ የሆዋ መቕዘፍቲ ወሪዱ።+ 17 ሕጂ ድማ፡ ካብ ቈልዑ፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቕተሉ፣ ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዚፈልጣ ዅለን ኣንስቲ ኸኣ ቅተሉ። 18 ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገበራ ዅለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ክትሓድግወን ትኽእሉ ኢኹም።+ 19 ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ። ሰብ* ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከኣ፡+ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልትን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልትን ገዛእ ርእስኹም ኣንጽሁ።+ 20 ኵሉ ኽዳውንትን ኵሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ጸጕሪ ጤል እተገብረ ዅሉን ኵሉ ኣቕሓ ዕንጨይትን ከኣ ኣንጽሁ።”
21 ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት ከምዚ በሎም፦ “ስርዓት እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ሕጊ እዚ እዩ፦ 22 ‘ወርቅን ብሩርን ነሓስን ሓጺንን መብሸልን ዓረርን፡ 23 ሓዊ ዚኽእል ኵሉ፡ ብሓዊ ኣሕልፍዎ፡ ኪነጽህ ድማ እዩ። ብዜንጽህ ማይ እውን ይንጻህ።+ ሓዊ ዘይክእል ኵሉ ድማ፡ ብማይ ኣሕልፍዎ። 24 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ክዳውንትኹም ሕጸቡን ንጽሁን፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ሰፈር ክትኣትዉ ትኽእሉ።’”+
25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 26 “ነቲ እተዘምተ፡ ነቲ እተማረኸ ሰብን እንስሳን ቍጸር፣ ነዚ ምስ ካህን ኣልኣዛርን ምስ ርእስታት ማይ ቤታት እቲ ኣኼባን ኴንካ ግበሮ። 27 እቲ እተዘምተ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ውግእ እተሳተፉ ኣባላት እቲ ሰራዊትን ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ኣኼባን ፍርቀ ፍርቂ ጌርካ ምቐሎም።+ 28 ካብቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ፡ ካብ ሰብን ካብ ከብትን ካብ ኣእዱግን ካብ ጤለ በጊዕን፡ ከካብ 500 ሓንቲ ነፍሲ* ንየሆዋ ግብሪ ውሰድ። 29 ካብቲ ፍርቆም ውሰዱ እሞ፡ መባእ የሆዋ ኪኸውን፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።+ 30 ካብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ ከብትን ካብ ኣእዱግን ካብ ጤለ በጊዕን ካብ ኵለን እንስሳ ዘቤትን፡ ከካብ 50 ሓደ ውሰድ፣ ነቶም ኣብ ሓለዋ ማሕደር የሆዋ ሓላፍነት ዘለዎም ሌዋውያን ከኣ ሃቦም።”+
31 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 32 እቲ እተሰልበ፡ እቶም ሰብ ውግእ ዝዘመትዎ ዝተረፈ ዝማት፡ 675,000 ጤለ በጊዕ፡ 33 72,000 ከብቲ፡ 34 61,000 ከኣ ኣድጊ ዀነ። 35 እተን ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዘይፈልጣ ደቂ ኣንስትዮ፡+ 32,000 ደቂ ኣንስትዮ* ኰና። 36 እቲ ፍርቂ ግደ እቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ፡ 337,500 ጤለ በጊዕ ኰነ። 37 እቲ ኻብ ጤለ በጊዕ ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ፡ 675 ኰነ። 38 ከብቲ ድማ 36,000፡ ካባታተን ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ ኸኣ፡ 72 ኰነ። 39 ኣእዱግ ድማ 30,500፡ ካባታተን ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ ኸኣ፡ 61 ኰነ። 40 ሰባት* ድማ 16,000፡ ካባታተን ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ ኸኣ፡ 32 ሰባት* ኰነ። 41 ሙሴ ድማ ነቲ ግብሪ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ መባእ የሆዋ ኪኸውን ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።+
42 ፍርቂ እቲ ሙሴ ኻብ ግደ እቶም እተዋግኡ ሰባት ዝመቐሎም ብጽሒት እስራኤላውያን፡ 43 ፍርቂ እተን ጤለ በጊዕ 337,500፡ 44 ከብቲ 36,000፡ 45 ኣእዱግ 30,500፡ 46 ሰባት* ድማ 16,000 ኰነ። 47 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ሙሴ ኻብቲ ንእስራኤላውያን ዚብጽሖም ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፡ ከካብ 50 ሓደ ወሲዱ፡ ነቶም ኣብ ሓለዋ ማሕደር የሆዋ ሓላፍነት ዘለዎም ሌዋውያን ሃቦም።+
48 እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰራዊት እተሸሙ+ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ፣ 49 ንሙሴ ኸኣ ኸምዚ በልዎ፦ “ገላዉኻ ነቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዝና ዘለዉ ተዋጋእቲ ቘጺርናዮም ኢና፣ ሓደ ሰብ እውን ኣይጐደለናን።+ 50 ስለዚ፡ ንሕና* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምትዕራቕ፡ ነፍሲ ወከፍና ዘዝረኸቦ፡ ኣቕሑ ወርቅን ኣልቦን ኣምባርን ቀለቤት ማሕተምን ኵትሻን ካልእ ስልማትን፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኪኸውን ነቕርብ።”
51 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ነቲ ወርቂ፡ ንዅሉ እቲ ስልማት ተቐበልዎም። 52 እቲ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ካብ ኣሕሉቕ ሚእትን ንየሆዋ እተዋህበ ዅሉ መባእ ወርቂ፡ 16,750 ሲቃል* ኰነ። 53 እቶም ተዋጋእቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቲ እተዘምተ ነንርእሱ ወሲዱ ነበረ። 54 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ሚእትን ተቐቢሎም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንመዘከርታ ህዝቢ እስራኤል ኪኸውን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣእተውዎ።