1 ነገስት
4 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ይገዝእ ነበረ።+ 2 ላዕለዎት ሰበ ስልጣኑ* ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዓዛርያ ወዲ ጻዶቅ+ ካህን ነበረ፣ 3 ኤሊሖረፍን ኣሒያን፡ ደቂ ሺሻ፡ ጸሓፍቲ ነበሩ፣+ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ መዝጋቢ ነበረ፣ 4 በናያ+ ወዲ የሆያዳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነበረ፣ ጻዶቅን ኣብያታርን+ ካህናት ነበሩ፣ 5 ዓዛርያ ወዲ ናታን+ ኣብ ልዕሊ ምስለኔታት ነበረ፣ ዛቡድ ወዲ ናታን ካህንን ፈታው ንጉስን ነበረ፣+ 6 ኣሒሻር ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ ነበረ፣ ኣዶኒራም+ ወዲ ዓብዳ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ነበረ።+
7 ሰሎሞን ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል 12 ምስለኔታት ነበርዎ፣ ንሳቶም ንንጉስን ንቤተ ሰቡን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ንሓንቲ ወርሒ ኺምግቡ ሓላፍነት ነበሮም።+ 8 ስማቶም ከኣ እዚ እዩ፦ ወዲ ሑር ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፣ 9 ወዲ ደቀር ኣብ ማቃዝን ሻዓልቢምን+ ቤት-ሸመሽን ኤሎን-ቤት-ሓናንን፣ 10 ወዲ ሔሰድ ኣብ ኣሩቦት (ሶኮን ኵላ ምድሪ ሔፈርን ናቱ ነበረ)፣ 11 ወዲ ኣቢናዳብ ኣብ ዓቐበት ዶር (ጣፋት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ዀነት)፣ 12 ባዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዓናክን መጊዶን+ ኣብ ኵላ ቤት-ሸኣንን፡+ እታ ኣብ ጥቓ ጻሬታን ብትሕቲ ይዝርኤል፡ ካብ ቤት-ሸኣን ክሳብ ኣቤል-መሖላ ኽሳብ ዞባ ዮቅመዓም+ ዘላ፣ 13 ወዲ ገበር ኣብ ራሞት-ጊልዓድ+ (እተን ኣብ ጊልዓድ+ ዘለዋ ዓድታት ድንኳን ያኢር+ ወዲ ምናሴ ናቱ ነበራ፣ እቲ ኣብ ባሳን+ ዘሎ ዞባ ኣርጎብ፡+ 60 ዓበይቲ ኸተማታት መምስ መካበብያአንን ተገዳማት ነሓስን እውን ናቱ ነበራ)፣ 14 ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ ማሓናዪም፣+ 15 ኣሒማዓጽ ኣብ ንፍታሌም (ንሱ እውን ንባስማት ጓል ሰሎሞን ሰበይቲ ኽትኰኖ ወሰዳ)፣ 16 ባዓና ወዲ ሑሻይ ኣብ ኣሴርን በዓሎትን፣ 17 ዮሳፋጥ ወዲ ጳሩኣሕ ኣብ ይሳኮር፣ 18 ሺምዒ+ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፣+ 19 ገበር ወዲ ኡሪ ኣብ ምድሪ ጊልዓድን+ ኣብ ምድሪ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያንን ዖግ+ ንጉስ ባሳንን። ኣብ ልዕሊ ዅሎም እዞም ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ ምስለኔታት ከኣ፡ ሓደ ምስለኔ ነበረ።
20 ይሁዳን እስራኤልን ከምቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም ነበሩ፣+ ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ድማ ነበሩ።+
21 ሰሎሞን ከኣ ካብቲ ፈለግ*+ ክሳብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳብ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስትታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶም ድማ ግብሪ ኣምጽኡሉ፡ ንሰሎሞን ከኣ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ይግዝእዎ ነበሩ።+
22 ምግቢ ሰሎሞን ድማ ነንመዓልቲ 30 ቆሮስ* ድኹም ሓርጭን 60 ቆሮስ ሓርጭን 23 10 ስቡሓት ከብትን 20 ብዕራይ ካብ መጓሰይን 100 በጊዕን ነበረ፣ እዚ ኸኣ ብዘይካ እራባትን ሰስሓታትን ሜዳቛትን ስቡሓት ኣዕዋፍን* እዩ። 24 ከመይሲ፡ ንዅላ እታ ኽነጀው እቲ ፈለግ*+ ዘላ፡ ካብ ቲፍሳሕ ክሳብ ጋዛ፡+ እንተላይ ንዅሎም እቶም ክነጀው እቲ ፈለግ* ዝነበሩ ነገስታት ይገዝእ ነበረ፣ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ዘሎ ዅሉ ዞባ ድማ ሰላም ነበሮ።+ 25 ይሁዳን እስራኤልን ከኣ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ፡ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ብደሓን ይነብር ነበረ።
26 ሰሎሞን ድማ ንሰረገላታቱ 4,000* ጋጽ ኣፍራስን* 12,000 ፈረስን* ነበርዎ።+
27 እቶም ምስለኔታት እቲኦም ከኣ ንንጉስ ሰሎሞንን ንዅሎም እቶም ኣብ መኣዲ ንጉስ ሰሎሞን ዚበልዑን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ነንወርሑ ሓላፍነት ነበሮ፣ ገለ እኳ ኣየጕድሉን ነበሩ።+ 28 ንኣፍራስን ንጕጅለታት ኣፍራስን ኬድሊ ኸሎ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም እጃሙ፡ ስገምን ሓሰርን የምጽኡ ነበሩ።
29 ኣምላኽ ከኣ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ኣእምሮን፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን* ሃቦ።+ 30 ጥበብ ሰሎሞን ድማ ካብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ግብጽን በለጸ።+ 31 ካብ ዝዀነ ሰብ ይጠብብ ነበረ፣ ካብ ኤታን+ እቲ እዝራሓውን ካብ ሄማንን+ ካልኮልን+ ዳራዳዕን፡ ደቂ ማሖል፡ እውን ይጠብብ ነበረ። ዝናኡ ኸኣ ኣብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ተዘርግሐ።+ 32 3,000 ምስላ+ ድማ መሰለ፣ መዝሙራቱ+ እውን 1,005 ነበረ። 33 ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዚበቍል ሃዛብ+ ይዛረብ ነበረ። ብዛዕባ እንስሳታትን+ ብዛዕባ ኣዕዋፍን*+ ብዛዕባ ለመምትን*+ ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ይዛረብ ነበረ። 34 ካብ ኵሎም ህዝብታት ከኣ፡ እንተላይ ካብቶም ብዛዕባ ጥበቡ ዝሰምዑ ነገስታት ኵላ ምድሪ፡ ጥበብ ሰሎሞን ኪሰምዑ ይመጹ ነበሩ።+