ኢሳይያስ
28 እታ ናይ ረኣዩለይ* ዘውዲ* እቶም ሰኽራማት ኤፍሬምን+
እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ እቶም ብወይኒ እተሰነፉ ዘሎ
ክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባን፡ ወይለኡ!
2 እንሆ፡ የሆዋ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ኣለዎ።
ከም ሃጽፊ በረድ፡ ከም ዜጥፍእ ህቦብላ ንፋስ፡
ከም ነጕዲ ሓያል ምዕልቕላቕ ማያት፡
ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኺድርብዮ እዩ።
4 እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ ዘሎ
ክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባ ኸኣ፡
ከምቲ ቕድሚ ሓጋይ ዚርከብ ቀዳማይ በለስ ኪኸውን እዩ።
ሓደ ምስ ረኣዮ እሞ ኣብ ኢዱ ምስ ሓዞ፡ ብኡብኡ ይውሕጦ።
5 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቶም ካብ ህዝቡ ዝተረፉ፡ ክቡር ዘውድን ጽቡቕ ኣኽሊል ዕምባባን ኪኸውን እዩ።+ 6 ነቲ ኣብ ፍርዲ እተቐመጠ ኸኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ዚመልሱ እውን ምንጪ ሓይሊ ኪኸውን እዩ።+
7 እዚኣቶም እውን ብወይኒ ይስሕቱ፣
ኣልኮላዊ መስተኦም ሰንከልከል የብሎም።
ካህንን ነብይን ብሰሪ ኣልኮላዊ መስተ ይስሕቱ፣
ወይኒ የደናግሮም፣
ብኣልኮላዊ መስተኦም ድማ ሰንከልከል ይብሉ።
ራእዮም የስሕቶም፣
ኣብ ፍርዲ እውን ይዕንቀፉ።+
8 መኣድታቶምሲ ዜፈንፍን ትፋእ ዝመልአ እዩ፣
—ንሱ ዘይብሉ ቦታ የልቦን።
9 ንመን ደኣ ፍልጠት ኬካፍል፡
ንመንከ መልእኽቲ ኺገልጽ እዩ፧
ነቶም ጸባ ዝሓደጉ፡
ነቶም ጡብ ሕዳግ ድዩ፧
10 ከመይሲ፡ “ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡
መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡ መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡*+
ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ” እዩ።
11 እምበኣር፡ ብወታእ ዘረባን* ብቛንቋ ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኺዛረቦ እዩ።+ 12 ንሱስ፡ “እዚኣ መዕረፊት እያ። እቲ ድኹም ይዕረፍ፣ እዚኣ ቦታ ዕረፍቲ እያ” ኢልዎም ነይሩ፣ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣብዮም።+ 13 ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ንዓታቶም፡
16 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
ብእኡ ዚኣምን ኣይኪስምብድን እዩ።+
በረድ ንመዕቈቢ ሓሶት ኪዅስትሮ፡
ማያት ድማ ነቲ መሕብኢ ኺድምስሶ እዩ።
ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኪሓልፍ ከሎ፡
ብእኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።
ሽበራ ጥራይ እዩ ነቲ ዝሰምዕዎ ዜረድኦም።”*
20 ከይተሳፍሓሉስ ዓራት ሓጺር እዩ፣
ከይትጕልበብ ድማ መደረብታ ጸቢብ እዩ።
23 ጽን በሉ፡ ድምጸይ እውን ስምዑ፣
ኣቕልቡ፡ ዝብሎ ድማ ስምዑ።
24 ሓረስታይሲ ዘርኢ ኸይዘርአ ምሉእ መዓልቲዶ ኺሓርስ ይውዕል እዩ፧
ብቐጻሊዶ ንምድሩ ይባርዎን ድንኩል ይሰብርን እዩ፧+
25 ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ፡
ኣበሱዳዶ ኣይብትንን፡ ካሙንዶኸ ኣይዘርእን እዩ፧
ስርናይን ብልቱግን ስገምን ኣብ ቦታኡ፡
ዓለስ+ ድማ ኣብ ወሰን ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ፧
27 ኣበሱዳስ ብመኼዲ ኣይርገጽን እዩ፣+
ካሙን ከኣ ብመንኰርኰር ሰረገላ ኣይክየድን እዩ።
የግዳስ፡ ኣበሱዳ ብበትሪ፡
ካሙን ድማ ብዘንጊ እዩ ዚዝበጥ።
28 ሰብዶ ነቲ ንእንጌራ ዚኸውን እኽሊ ይጥሕኖ እዩ፧