መዝሙር
ንኣላዪ፣ ናይ የዱቱን።* ናይ ዳዊት መዝሙር።
62 ብርግጽ፡ ንኣምላኽ ብስቕታ እየ ዝጽበዮ።*
ድሕነተይ ካብኡ እዩ ዚመጽእ።+
3 ክትቀትልዎስ ንሰብ ክንደይ ሳዕ ኢኹም ከተጥቅዕዎ፧+
ኵላትኩም ከም ዝዘዘወ መንደቕ፡ ኪፈርስ ከም ዝቐረበ መንደቕ ሓደገኛታት ኢኹም።*
4 ካብ ልዑል ቦታኡ* ኺግልብጥዎስ ይማኸሩ፣
ብሓሶት ባህ ይብሎም።
ብኣፎም ይምርቑ፣ ብውሽጦም ግና ይረግሙ።+ (ሴላ)
6 ብርግጽ፡ ከውሐይን ድሕነተይን እምባይን እዩ፣
ከቶ ኣይክናወጽን እየ።+
7 ድሕነተይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ ዚምርኰስ።
ጽኑዕ ከውሐይን መዕቈብየይን ኣምላኽ እዩ።+
8 ኣቱም ህዝቢ፡ ኵሉ ግዜ ብእኡ ተኣመኑ።
ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ።+
ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ።+ (ሴላ)
9 ደቂ ኣዳም ትንፋስ ጥራይ እዮም፣
ደቂ ሰብ ናይ ሓሶት እዮም።+
ብሓባር ኣብ ሚዛን ምስ ተነብሩ፡ ካብ ትንፋስ ይፈዅሱ።+
10 ብዘረፋ ኣይትተኣመኑ፣
ብዘመተ ኸኣ ናይ ሓሶት ተስፋ ኣይትግበሩ።
ሃብትኹም እንተ በዝሐ፡ ልብኹም ኣይተውድቑሉ።+
11 ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛሪቡ፣ ነዚ ኸኣ ክልተ ሳዕ ሰሚዐዮ፦
ብርታዐስ ናይ ኣምላኽ እዩ።+