ዘዳግም
15 “ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት ሕድገት ግበር።+ 2 እቲ ሕድገት በዚ ኸምዚ ይገበር፦ ኵሉ ኣለቃሒ ንብጻዩ፡ እቲ ዘለቅሖ ዕዳ ይሕደገሉ። ምእንቲ የሆዋ ተባሂሉ ሕድገት ተኣዊጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩ ወይ ሓዉ ኽፍሊት ኣይሕተት።+ 3 ካብ ጓና ኽፍሊት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፣+ ንሓውካ እትእውዶ ዘበለ ግና ሕደገሉ። 4 ግናኸ፡ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ፡ የሆዋ ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ እሞ፡+ ኣብ መንጎኻ ሓደ እኳ ኣይድከ፣ 5 ሓንትስ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ ተኣዘዝ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ከኣ ተጠንቂቕካ ሓሉ።+ 6 ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኸምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ፡ ንብዙሓት ኣህዛብ ድማ ከተለቅሕ* ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይክትልቃሕን ኢኻ፣+ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይኪገዝኡኻን እዮም።+
7 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ሓውካ እንተ ደኽዩ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይተትርረሉ፡ ኢድካ እውን ኣይትጨብጠሉ።+ 8 ኢድካስ ብልግሲ ደኣ ኽፈተሉ፡+ ዜድልዮ ወይ ዚጐድሎ ዘበለ ኣለቅሓዮ።* 9 ብልብኻ፡ ‘እታ ሻውዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ ኣላ’ ኢልካ ኽፉእ ከይትሓስብ እሞ፡+ ንድኻ ሓውካ ልግስኻ ኸይትኽልክሎን ከይሃብካዮ ኸይትተርፍን ተጠንቀቕ። ንሱ ናብ የሆዋ እንተ ጠሪዑልካ፡ ሓጢኣት ኪዀነካ እዩ።+ 10 የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ ዕዮኻን ኵሉ ተግባርካን ዚባርኸልካ ስለዚ እዩ እሞ፡ ብልግሲ ሃቦ+ እምበር፡ ክትህብ ከለኻ* ነፋግ ኣይትኹን።+ 11 ኣብታ ምድርስ ወትሩ ድኻታት ኪህልዉ እዮም።+ ስለዚ እየ፡ ‘ነቲ ኣብ ምድርኻ ዘሎ ውጹዕካን ድኻ ሓውካን ብልግሲ ኢድካ ኽፈተሉ’ ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ።+
12 “ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ፡ እብራዊ ወይ እብራዊት፡ ናባኻ እንተ ተሸይጡ፡ ሽዱሽተ ዓመት ከኣ እንተ ተገዚኡካ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ሓራ ኣውጽኣዮ።+ 13 ሓራ ኸተውጽኦ ኸለኻ ድማ፡ ጥራይ ኢዱ ኣይትስደዶ። 14 ካብ መጓሰኻን ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቝ ዘይትኻን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ብልግሲ ሃቦ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝባረኸካ፡ ከምኡ ሃቦ። 15 ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ከም እተበጀወካ ዘክር። ስለዚ እየ ሎሚ እዚ ኽትገብር ዝእዝዘካ ዘለኹ።
16 “ግናኸ፡ ምሳኻ ኸሎ ስለ እተሓጐሰ፡ ንዓኻን ንቤተ ሰብካን ብምፍታዉ፡ ‘ካባኻ ኣይወጽእን እየ’ እንተ ኢሉካ፡+ 17 መስፈ ውሰድ እሞ፡ እዝኑ ኣብ ማዕጾ ጌርካ ኣንኵሎ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ድማ ባርያኻ ይኹን። ንግዝእትኻ እውን ከምኡ ግበራ። 18 ሓራ ኸተውጽኦ ኸለኻ እሞ ኺሓድገካ ኸሎ፡ ኣይኽበድካ። እቲ ሽዱሽተ ዓመት ዘገልገለካስ ክንዲ ዕጽፊ ናይ ዕሱብ እዩ፣ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ብዅሉ እትገብሮ ባሪኹካ እዩ።
19 “ካብ ከብትኻን ካብ ጤለ በጊዕካን ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ ንየሆዋ ኣምላኽካ ቐድሶ።+ ብበዅሪ ብዕራይካ ገለ እኳ ኣይትዕየ፡ ንበዅሪ ጤለ በጊዕካ እውን ኣይትቐምቅም። 20 ኣብታ የሆዋ ዝሓረያ ቦታ፡ ዓመት ዓመት ንስኻን ቤተ ሰብካን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ብልዓዮ።+ 21 ግናኸ፡ ጕድለት እንተ ኣልይዎ፡—ሓንካስ ወይ ዕዉር እንተ ዀይኑ፡ ወይ ዝዀነ ኻልእ ክፉእ ጕድለት እንተ ኣልይዎ፡—ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ።+ 22 ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ብልዓዮ፡ ከምቲ ሰስሓ ወይ እራብ ዚብላዕ ገይሮም፡ ርኹስ ኰነ ንጹህ ሰብ፡ ክልቲኦም ይብልዕዎ።+ 23 ግናኸ፡ ደሙ ኣይትብላዕ፡+ ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ።+