ሩት
1 በቲ ፈራዶ ዚፈርዱሉ* ዝነበሩ ዘመን፡+ ኣብታ ምድሪ ጥሜት ኰነ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ ምስ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ+ ጓና ዀይኑ ኪቕመጥ ከደ። 2 ስም እቲ ሰብኣይ ኤሊሜሌክ፡* ስም ሰበይቱ ድማ ናእሚ፡* ስማት ክልቲኦም ደቁ ኸኣ ማሕሎንን* ኪልዮንን* ነበረ። ንሳቶም ድማ ኤፍራታውያን ካብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ።
3 ድሕሪ ግዜ፡ ኤሊሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ሞተ፣ ንሳ ኸኣ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። 4 ንሳቶም ድማ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉ፣ ስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልአይቲ ኸኣ ሩት ነበረ።+ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ድማ ኣብኡ ተቐመጡ። 5 ድሕርዚ፡ ክልቲኦም ደቃ፡ ማሕሎንን ኪልዮንን እውን ሞቱ፣ እታ ሰበይቲ ድማ ብዘይ ክልቲኦም ደቃን ብዘይ ሰብኣያን ተረፈት። 6 ሽዑ፡ ንሳ ኣብ ሞኣብ ከላ፡ የሆዋ ንህዝቡ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም እሞ እንጌራ ኸም ዝሃቦም ስለ ዝሰምዐት፡ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ክትምለስ ነቐለት።
7 ካብቲ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ እትነብረሉ ዝነበረት ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ኣብ መገዲ ኪኸዳ ኸለዋ፡ 8 ናእሚ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ፡ “ኪዳ፡ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ዝሞቱን ንዓይን ዝገበርክናኦ፡ የሆዋ ብተኣማንነት የፍቅርክን።+ 9 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍክን ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ* ይሃብክን” በለተን።+ ሽዑ፡ ሰዓመተን፣ ንሳተን ድማ ዓው ኢለን በኸያ። 10 “ኣይፋልናን፡ ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብኺ ኽንከይድ ኢና” ኸኣ ይብላኣ ነበራ። 11 ናእሚ ግና፡ “ደቀየ፡ ተመለሳ ደኣ። ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳ፧ ደጊምዶ ሰብኡትክን ኪዀኑ ዚኽእሉ ኣወዳት ክወልድ እኽእል እየ፧+ 12 ደቀየ፡ ከይምርዖ ኣሪገ እየ እሞ፡ ኪዳ ደኣ ተመለሳ። ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ ክረክብ ተስፋ እንተ ዚህልወንን ኣወዳት ክወልድ እንተ ዝኽእልን እኳ፡ 13 ንሳቶም ክሳዕ ዚዓብዩዶ ኽትጽበያኦም ኢኽን፧ ምእንታኦም ኢልክንዶ ኸይተመርዓኽን ክትጸንሓ ኢኽን፧ ኣይፋልክንን ደቀየ፡ ኢድ የሆዋ ኣንጻረይ ኰይና ኣላ እሞ፡ ምእንታኽን ኣዝዩ መሪሩኒ እዩ ዘሎ” በለተን።+
14 መሊሰን ከኣ ዓው ኢለን በኸያ፣ ድሕሪኡ፡ ዖርጳ ንሓማታ ስዒማታ ኸደት። ሩት ግና ምስኣ ለገበት። 15 ናእሚ ድማ፡ “እንሃ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ ናብ ህዝባን ናብ ኣማልኽታን ተመሊሳ። ምስ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ” በለታ።
16 ሩት ግና፡ “ምሳኺ ኸይከይድ ሓዲገኪ ኽምለስ ኣይትለምንኒ፣ ከመይሲ፡ ናብ እትኸድዮ እኸይድ፡ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሓድር። ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ።+ 17 ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ እውን እቕበር። ብዘይካ ሞት ካልእ ንዓይ ካባኺ እንተ ፈልዩንስ፡ የሆዋ ኸምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወስኸሉ” በለታ።
18 ናእሚ ድማ ሩት ምስኣ ኽትከይድ ከም ዝቘረጸት ምስ ረኣየት፡ ከተእምና ምፍታን ሓደገቶ። 19 ናብ ቤት-ልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸኣ ክልቲአን ከዳ።+ ኣብ ቤት-ልሄም ምስ በጽሓ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባአን ተበዓደት። እተን ኣንስቲ ድማ፡ “እዚኣስ ናእሚ ድያ፧” ይብላ ነበራ። 20 ንሳ ኸኣ ነተን ኣንስቲ ኸምዚ ትብለን ነበረት፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ንህይወተይ ኣዝያ መራር ገይሩዋ እዩ እሞ፡ ማራ* ኢልክን ደኣ ጸውዓኒ እምበር፡ ናእሚ* ኢልክንሲ ኣይትጸውዓኒ።+ 21 ክኸይድ ከለኹ ምሉእ ነይሩኒ፡ የሆዋ ግና ጥራይ ኢደይ መሊሱኒ። የሆዋ ኻብ ተጻረረኒ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ መዓት ካብ ኣምጽኣለይሲ፡ ስለምንታይ ናእሚ ኢልክን ትጽውዓኒ፧”+
22 በዚ ኸምዚ፡ ናእሚ ምስታ ሩት እትብሃል ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት።+ ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም መጻ።+