ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
“ናብ እትኸድዮ እኸይድ”
ሩት በቲ ብርኽ ዝበለን ብርቱዕ ንፋስ ዘለዎን ጐላጕል ሞኣብ ገይራ፡ ምስ ናእሚ ትጐዓዝ ነበረት። ኣብዚ ሰፊሕ ጐልጐል እዚ፡ ሩትን ናእምን ንበይነን እየን ዝጐዓዛ ነይረን። ዓይኒ ኺሕዝ ምስ ጀመረ፡ ሩት ንሓማታ እናረኣየታ፡ ዚሓድራሉ ቦታ ንምንዳይ ዚኸውን ግዜ ኸም ዝኣኸለ ኽትሓስብ ከላ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣላ። ንናእሚ ኣዝያ ስለ እትፈትዋ፡ ንዓኣ ኣለይ መለይ ንምባል ዚከኣላ እያ እትገብር።
ናእምን ሩትን ኣብ ሓዘን እየን ነይረን። ናእሚ መበለት ካብ እትኸውን ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ብሞት እቶም ኪልዮንን ማሕሎንን ዝስሞም ክልተ ደቃ ገና ኣብ ሓዘን እያ ነይራ። ሩት እውን እንተ ዀነት፡ ብሞት ማሕሎን ሰብኣያ ኣብ ሓዘን እያ ነይራ። ክልቲአን እዘን ኣንስቲ እዚአን፡ ናብ ሓደ ቦታ፡ ማለት ናብታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ቤት-ልሄም እየን ዚኸዳ ነይረን። ብሓባር ይጐዓዛ እኳ እንተ ነበራ፡ እቲ ጕዕዞአን ግና እተፈላለየ ትርጕም እዩ ነይርዎ። ናእሚ ናብ ዓዳ እያ እትኸይድ ነይራ። ሩት ግና ኣዝማዳን ዓዳን ባህላን፡ እንተላይ ኣማልኽታ ሓዲጋ፡ ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ እያ እትኸይድ ነይራ።—ሩት 1:3-6።
ሩት ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ለውጢ ኽትገብር ዝደረኻ እንታይ እዩ፧ ሓድሽ ህይወት ንኽትጅምርን ንናእሚ ንኽትኣልያን ዜኽእላ ብርታዐ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ብምምርማር፡ ንእምነት ሩት እታ ሞኣባዊት ክንቀድሓ ንኽእል ኢና። ፈለማ፡ እዘን ክልተ ኣንስቲ እዚአን ብኸመይ ብሓባር ናብ ቤት-ልሄም ኪጐዓዛ ኸም ዝኸኣላ እስከ ንርአ።
ዜሕዝን ነገራት ዘጋጠማ ስድራ ቤት
ሩት ኣብታ ኻብ ምዉት ባሕሪ ብሸነኽ ምብራቕ እትርከብ ሞኣብ እትብሃል ንእሽቶ ዓዲ እያ ዓብያ። እዚ ቦታ እዚ፡ ስንጭሮ ሰንጢቕዎ ዚሓልፍ ደጕዓ ዀይኑ፡ ሓሓሊፉ ጥራይ እዩ ኣእዋም ዚረኣዮ። ዋላ እውን ኣብ እስራኤል ጥሜት ይሃሉ፡ “ምድሪ ሞኣብ” መብዛሕትኡ እዋን ፍርያም እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እውን እያ ሩት ምስ ማሕሎንን ምስ ስድራ ቤቱን ክትፋለጥ ክኢላ።—ሩት 1:1።
ኣብ እስራኤል ጥሜት ምስ ኰነ፡ ኤሊሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ንኽልተ ደቁ ሒዙ፡ ካብ ዓዱ ናብ ምድሪ ሞኣብ ተሰድደ። እስራኤላውያን ኣዘውቲሮም ኣብታ የሆዋ ዝሓረያ ቕድስቲ ቦታ ኼምልኹ ስለ ዝነበሮም፡ እዚ ንእምነት ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ዚብድህ እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 16:16, 17) እምነት ናእሚ ግና ህያው እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣያ ምስ ሞተ፡ ብሓዘን ተደቝሰት።—ሩት 1:2, 3።
ናእሚ፡ ደቃ ጸኒሖም ሞኣባውያን ኣንስቲ ምስ ተመርዓዉ እውን፡ ጕህያ ኽትከውን ኣለዋ። (ሩት 1:4) እቲ ኣቦሓጎ እስራኤላውያን ዝነበረ ኣብርሃም፡ ካብቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ዓሌቱ ንይስሃቅ ወዱ እትኸውን ሰበይቲ ንምርካብ ብዙሕ ከም ዝጸዓረ፡ ናእሚ ትፈልጥ ነይራ እያ። (ዘፍጥረት 24:3, 4) ጸኒሑ እውን ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ምእንቲ ኸይመርሕዎም፡ ንኣወዳቶምን ንኣዋልዶምን ምስ ጓኖት ከየመራዕዉ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ።—ዘዳግም 7:3, 4።a
ዝዀነ ዀይኑ፡ ማሕሎንን ኪልዮንን ሞኣባውያን ኣንስቲ ተመርዓዉ። እዚ ነገር እዚ ንናእሚ ኣተሓሳሲብዋ ወይ ኣጕህይዋ ኪኸውን ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነተን ሩትን ዖርጳን ዝስመን ኣንስቲ ደቃ፡ ናይ ሓቂ ለውሃትን ፍቕርን ኣርእያተን ክትከውን ኣለዋ። ሓደ መዓልቲ ኸምኣ ንየሆዋ ኸም ዜምልኻኦ ተስፋ ትገብር ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሩትን ዖርጳን ንናእሚ ይፈትዋኣ ነበራ። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ሰለስተ ኣንስቲ ዝነበረ ጽቡቕ ርክብ፡ ዜሕዝን ፍጻመታት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ሓጊዝወን እዩ። ከመይሲ፡ ሩትን ዖርጳን ገና ኸይወለዳ እየን መበለታት ኰይነን።—ሩት 1:5።
እቲ ሩት እትስዕቦ ዝነበረት ሃይማኖት፡ ነቲ ዘጋጠማ ዜሕዝን ፍጻመ ኣዳልዩዋዶ፧ ኣይፋሉን። ሞኣባውያን ንብዙሓት ኣማልኽቲ፡ ብቐንዱ ኸኣ ንከሞሽ እዮም ዜምልኹ ነይሮም። (ዘሁልቍ 21:29) እቲ ሞኣባውያን ዚስዕብዎ ዝነበሩ ሃይማኖት፡ ከም መስዋእቲ ሕጻናት ዝኣመሰለ ጭካነን ዜስካሕክሕ ተግባራትን ዚንጸባረቖ እዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ሩት ካብ ማሕሎን ወይ ካብ ናእሚ እተማህረቶ ብዛዕባ እቲ ፈቃርን ርሕሩሕን ኣምላኽ እስራኤል ዝዀነ የሆዋ ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ልባ ተንኪፍዋ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ደኣ እምበር፡ ብራዕዲ ኣይገዝእን እዩ። (ዘዳግም 6:5) ሩት ድሕሪ እቲ ሓዘን፡ ናብ ናእሚ ብዝያዳ ቐሪባ ኽትከውን ኣለዋ፣ ናእሚ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ብዛዕባ ዜደንቕ ተግባራቱ፡ ብዛዕባ እቲ ንህዝቡ ዝሓዘሉ ፍቕርን ርሕራሐን ዚንጸባረቖ መገዲ ኽትነግራ ኸላ ድማ፡ ጽን ኢላ ትሰምዓ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ።
ናእሚ ብዛዕባ ዓዳ ዚገልጽ ወረ ኽትሰምዕ ብሃንቀውታ እያ እትጽበ ነይራ። ሓደ መዓልቲ፡ ምናልባት ካብ ሓደ ነጋዳይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ጥሜት ከም ዘብቅዐ ሰምዐት። የሆዋ ንህዝቡ በጽሖም። ቤት-ልሄም እንደገና ኸም ትርጕም ስማ፡ “ቤት እንጌራ” ዀነት። ናእሚ ነዚ ምስ ሰምዐት፡ ናብ ዓዳ ኽትምለስ ወሰነት።—ሩት 1:6።
ሩትን ዖርጳን እሞ ደኣኸ፧ (ሩት 1:7) ምስ ናእሚ ዀይነን ብዙሕ ጸገማት ስለ ዘሕለፋ፡ ኣዝየን ተቐራሪበን ነበራ። ብሕልፊ ሩት፡ በታ ናእሚ ኣብ የሆዋ ዝነበረታ ዘይትነቓነቕ እምነትን ብለውሃታን ተሳሒባ ነበረት። ስለዚ፡ እተን ሰለስተ መበለታት፡ ብሓባር ኰይነን ናብ ይሁዳ ኺጐዓዛ ጀመራ።
እቲ ኣብ መጽሓፍ ሩት ዚርከብ ጸብጻብ፡ ንጥዑያትን ንቕኑዓትን ሰባት ኰነ ንእኩያት ሰባት፡ ዜሕዝን ፍጻመ ኼጋጥሞም ከም ዚኽእል የዘኻኽረና እዩ። (መክብብ 9:2, 11) ብዘይካዚ፡ ብሓዘን ኣብ እንድቈሰሉ እዋን፡ ብፍላይ ካብቶም ኣብቲ ናእሚ እተምልኾ ዝነበረት የሆዋ ዚምዕቈቡ ሰባት ምጽንናዕ ክንረክብ ምድላይና ጥበባዊ ምዃኑ ይሕብረና እዩ።—ምሳሌ 17:17።
ሩት ብተኣማንነት ዘርኣየታ ፍቕሪ
እተን ሰለስተ መበለታት ንብዙሕ ኪሎ ሜተር ምስ ተጓዕዛ፡ ሓደ ጕዳይ ንናእሚ ኼተሓሳስባ ጀመረ። እተን ኣብ የማናን ጸጋማን ዝነበራ ኽልተ ኣንስቲ ንዓኣን ንደቃን ብዛዕባ ዘርኣያኣ ፍቕሪ ሓሰበት። ካልእ ጾር ክትውስኸለን ድማ ኣይደለየትን። ከመይሲ፡ ንዓደን ሓዲገን ምስኣ ናብ ቤት-ልሄም እንተ ኸይደን፡ ናእሚ እንታይ እያ ኽትገብረለን እትኽእል፧
ኣብ መወዳእታኡ ናእሚ፡ “ኪዳ፡ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገበርክናኦ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበር” በለተን። የሆዋ ንዓታተን ሰብኡትን ሓድሽ ህይወትን ብምሃብ ኪባርኸን ድማ ተመነየትለን። “ሽዑ ሰዐመተን፡ ንሳተን ከኣ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ።” ሩትን ዖርጳን ካብታ ሕያወይትን ጥቕሚ ርእሳ ዘይትደልን ሰበይቲ ኺፍለያ እንተ ኸበደን ኣየገርምን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ክልቲአን ብተደጋጋሚ፡ “ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብኺ ንምለስ” በላኣ።—ሩት 1:8-10።
ይኹን እምበር፡ ናእሚ ብቐሊሉ ነቲ ሩትን ዖርጳን ዝበላኣ ኣይተቐበለቶን። ሰብኣይ ስለ ዘይብላን ንዓታተን ዚዀኑ ኣወዳት ክትወልድ ስለ ዘይትኽእልን፡ ኣብ እስራኤል ዋላ ሓንቲ ኽትገብረለን ከም ዘይትኽእል ኣትሪራ ነገረተን። ንዓታተን ክትኣልየን ብዘይምኽኣላ ኣዝያ ኸም እተመረረት ከኣ ሓበረተን።—ሩት 1:11-13።
ቃላት ናእሚ ንዖርጳ ኣእመና። ቤተሰብን ኣደን ቤትን ስለ ዝነበራ፡ ኣብ ሞኣብ ምንባር ዚሓይሽ ኰይኑ ተሰምዓ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንናእሚ እናጐሃየት ሰዓመታ፣ ተሰናቢታታ ድማ ናብ ቤታ ተመልሰት።—ሩት 1:14።
ሩትከ፧ እቲ ናእሚ እተዛረበቶ ዘረባ ንዓኣ እውን ይምልከታ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ “ሩት ግና ምስኣ ተጸግዔት” ዚብል ነንብብ። ምናልባት ናእሚ ጕዕዞኣ ኽትቅጽል ከላ፡ ሩት ትስዕባ ኸም ዝነበረት ኣስተብሂላ ኽትከውን ትኽእል እያ። “ሰበይቲ ሓሙትኪ እንሃ ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ” በለታ። (ሩት 1:15) እዚ ናእሚ እተዛረበቶ ቓላት፡ ንኣንባባይ ዚጠቅም ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ዖርጳ ናብ ህዝባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ “ኣምላኻ” እውን እያ ተመሊሳ። ብኣምልኾ ከሞሽን ካልኦት ናይ ሓሶት ኣማልኽትን ዕግብቲ እያ ነይራ። ሩትከ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓ ነይሩ፧
ልቢ ሩት በቲ ንናእምን ነቲ ናእሚ እተምልኾ ኣምላኽን ዘለዋ ፍቕሪ መሊኡ ስለ ዝነበረ፡ ንናእሚ ናይ ብልባ እያ እትዛረባ ነይራ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ አይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሐድርዮ ኸኣ እሐድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዩናስ፡ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወስኸኒ” በለት።—ሩት 1:16, 17።
ቃላት ሩት ብሓቂ ዜደንቕ ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪ 3,000 ዓመት እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ይፈልጥዎ እዮም። እቲ እተዛረበቶ ቓላት፡ ክቡር ባህርይ ከም ዝነበራ፡ ማለት ብተኣማንነት ፍቕሪ ኸም እተርኢ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ሩት ንናእሚ ዝነበረታ ፍቕሪ፡ ድልድልትን ኣብ ተኣማንነት እተመርኰሰትን ስለ ዝነበረት፡ ምስ ናእሚ ጠበቐት። ሞት ጥራይ እዩ ኺፈልየን ዚኽእል ነይሩ። ሩት ንዅሉ እቲ ኣብ ሞኣብ እትፈልጦ ነገራት፡ እንተላይ ንኣማልኽቲ ሞኣብ ክትሓድጎም ድልውቲ ስለ ዝነበረት፡ ህዝቢ ናእሚ ህዝባ ዀኑ። ሩት ከም ዖርጳ ስለ ዘይነበረት፡ እቲ ናእሚ እተምልኾ ዝነበረት የሆዋ፡ ኣምላኻ ኪኸውን ከም እትደሊ ኣፋ መሊኣ ኽትዛረብ ትኽእል ነበረት።b
ናእምን ሩትን ብሓባር ኰይነን፡ ኣብቲ ናብ ቤት-ልሄም ዚወስድ ነዊሕ መገዲ ጕዕዞአን ቀጸላ። ብመሰረት ሓደ ገምጋም፡ እቲ ጕዕዞ ኽሳዕ ሓደ ሰሙን ወሲዱለን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሓድሕደን ይጸናንዓ ነይረን ኪዀና ኣለወን።
ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ብዙሕ ዜጕህየና ነገራት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና መጽሓፍ ቅዱስ “ክፉእ ዘመን” ዚብሎ እዋን፡ ኵላትና እተፈላለየ ዓይነት ጕድኣትን ሓዘንን የጋጥመና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ስለዚ፡ እታ ሩት ዘንጸባረቐታ ባህርይ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳሲት እያ። እወ፡ ብተኣማንነት ተደሪኽካ እተርእያ ፍቕሪ፡ ኣብዛ ጸልማት ዓለም ክትሕግዘና ትኽእል እያ። እዛ ባህርይ እዚኣ፡ ኣብ ሓዳርን ኣብ ርክባት ስድራ ቤትን ኣብ ዕርክነትን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤን ተድሊ እያ። ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልና፡ ነቲ ብሉጽ ኣብነት ሩት ንቐድሖ ኣለና ማለት እዩ።
ሩትን ናእምን ኣብ ቤት-ልሄም
ሓቂ እዩ፡ ብተኣማንነት ተደሪኽካ እተርእያ ፍቕሪ ኸም ዘላትካ ምዝራብን ብግብሪ ምርኣይን ክልተ እተፈላለየ ነገራት እዩ። ሩት፡ ንናእሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣምላኻ ኪኸውን ዝመረጸቶ የሆዋ ብተኣማንነት ተደሪኻ ፍቕሪ ኸተርኢ ዜኽእላ ኣጋጣሚ ረኸበት።
ኣብ መወዳእታኡ፡ እተን ክልተ ኣንስቲ ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ብሸነኽ ደቡብ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቤት-ልሄም በጽሓ። ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባ ምምላስ ናእሚ ተውሪ ስለ ዝነበረት፡ ናእሚን ስድራ ቤታን ህቡባት ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ኣንስቲ እታ ዓዲ ኸኣ፡ “እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፧” በላ። እቲ ናእሚ ናብ ሞኣብ ክትከይድ ከላ ዝነበራ መልክዕ ተለዊጡ ኸምኡውን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዘሕለፈቶ ጸገምን ሓዘንን ኣብ ገጻ ይንበብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—ሩት 1:19።
ናእሚ ነተን ኣዝማዳን ጐረባብታን፡ ብህይወታ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተመረረት ነገረተን። እቲ ናእሚ ዚብል “ሓጐሰይ” ዝትርጕሙ ስማ፡ ናብቲ ማራ ዚብል “መሪር” ዝትርጕሙ ስም ኪቕየር ከም ዘለዎ እውን ገለጸትለን። ክሳዕ ክንደይ ኰን እያ እተሕዝነካ! ልክዕ ከምቲ ንእዮብ እተሰምዖ፡ ንሳ እውን፡ ምንጪ ዅሉ መከራኣ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይራ ትኣምን ነበረት።—ሩት 1:20, 21፣ እዮብ 2:10፣ 13:24-26።
እተን ክልተ ኣንስቲ ኣብ ቤት-ልሄም ናብራአን ኬጣጥሓ ምስ ጀመራ፡ ሩት ንርእሳን ንናእሚን ብኸመይ ክትኣሊ ኸም እትኽእል ክትሓስብ ጀመረት። እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ንድኻታት ዚኸውን መሰናድዎ ኸም ዜጠቓልል ትፈልጥ ነበረት። እቶም ድኻታት፡ ኣብ እዋን ዓጺድ ናብ ግራት ብምእታው፡ ነቲ እቶም ዓጻዶ ዝሓደግዎን ነቲ ኣብ ደረት እቲ ግራት ዝበቘለን ኪቕርሙ ይኽእሉ ነበሩ።c—ዘሌዋውያን 19:9, 10፣ ዘዳግም 24:19-21።
እዋኑ ኣብ ዘመናዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ከባቢ ሚያዝያ ዚውዕል ግዜ ዓጺድ ስገም እዩ ነይሩ፣ ሩት ድማ ክትቅርም ከደት። ብገርሃ ኸኣ ናብ ግራት እቲ ሃብታም ዘመድ ኤሊሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ዝነበረ ቦኣዝ ኣተወት። ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ክትቅርም መሰላ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ግና ከም ትሑዝ ገይራ ኣይረኣየቶን፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓጻዶ እተመዘዘ ጊልያ፡ ንኽትቅርም ኪፈቕደላ ሓተተቶ። ምስ ፈቐደላ ኸኣ፡ ብኡብኡ ስራሓ ጀመረት።—ሩት 1:22–2:3, 7።
ሩት ነቶም ዓጻዶ ኽትስዕቦም ከላ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣላ። ነቲ ኻብ በሊሕ ማዕጺዶም ዝተረፈ ወይ ነቲ ዝሓደግዎ ስገም ትእክቦ እሞ፡ ነቲ ዝቐረመቶ እንዳእቲ ናብቲ እትዘብጠሉ ቦታ ተሰኪማቶ ትኸይድ ነበረት። ዕዮኣ ቐስ ዝበለን ዜድክምን ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ እናረፈደ ምስ ከደ ኸኣ ብዝያዳ እናኸበደ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሩት፡ ረሃጻ ንኽትጸርግን “ኣብ ቤት፡” ማለት ኣብቲ ነቶም ሰራሕተኛታት መጽለሊ ኪዀኖም ተባሂሉ እተዳለወ ቦታ ዀይና ምሳሕ ንኽትበልዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ዕዮኣ ኣየቋረጸትን።
ሩት ኣቓልቦ ዚግበረላ እኳ እንተ ዘይመሰላ፡ ዚዕዘባ ሰብ ግና ነይሩ እዩ። ቦኣዝ ርእይዋ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበረ ጊልያኡ፡ ብዛዕባኣ ሓተቶ። ቦኣዝ እተደንቕ እምነት ዝነበረቶ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ሸቃሎ ወይ እውን ነቶም ጓኖት ኪዀኑ ዚኽእሉ ዓየይቲ፡ ‘የሆዋ ምሳኻትኩም ይኹን’ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘የሆዋ ይባርኽካ’ ኢሎም መለሱሉ። እዚ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብኣይ እዚ፡ ንሩት ከም ኣቦ ይሓልየላ ነበረ።—ሩት 2:4-7።
ቦኣዝ ንሩት “ጓለይ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ክትቅርም ኢላ ናብ ካልእ ግራት ከይትኸይድ፡ ካልኦት ዓየይቲ ምእንቲ ኸየሸግርዋ ድማ ምስተን ግዙኣቱ ኽትለግብ ነገራ። ምሳሕ ከም እትረክብ እውን ገበረ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ነኣዳን ኣተባብዓን። ብኸመይ፧—ሩት 2:8, 9, 14።
ሩት ንቦኣዝ፡ ጓና ኽነሳ እዚ ዅሉ ለውሃት ዜርእያ ዘሎ እንታይ ስለ ዝገበረት ምዃኑ ምስ ሓተተቶ፡ ቦኣዝ፡ ንናእሚ ሓማታ ብዛዕባ ዝገበረትላ ዅሉ ነገራት ከም ዝሰምዐ ነገራ። ምናልባት ናእሚ ንሩት ኣብ ቅድሚ ኣንስቲ ቤት-ልሄም ንኢዳታ ኽትከውን ትኽእል እያ፣ እዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ ቦኣዝ በጺሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሩት፡ “እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺ፡ ዓስብኺ ኸኣ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትጽግዕዮ ኢልኪ መጺእኪ ዘሎኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሉእ ይኹን” ስለ ዝበላ፡ ኣምላኺት የሆዋ ኸም ዝዀነት ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—ሩት 2:12።
እዘን ቃላት እዚአን ክሳዕ ክንደይ ንሩት ኣተባቢዐናኣ ኪዀና ኣለወን! ልክዕ ከምታ ኣብ ትሕቲ ኽንፊ ወላዲኣ እተዕቍብ ንእሽቶ ዑፍ፡ ሩት እውን ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ የሆዋ ኣምላኽ ክትጽጋዕ ወሲና እያ። ንቦኣዝ ድማ ስለቲ ዜጸናንዕ ቃላቱ ኣመስገነቶ። ክሳዕ ምሸት ከኣ ዕዮኣ ቐጸለት።—ሩት 2:13, 17።
ሩት ዝነበረታ እምነት፡ ነቶም ኣብዚ ብቝጠባዊ መዳይ ኣጸጋሚ ዝዀነ እዋን እንነብር ዘለና ሰባት፡ ብሉጽ ኣብነት ትዀነና እያ። ይግብኣኒ እዩ ዚብል መንፈስ ስለ ዘይነበራ፡ ንዅሉ እተዋህባ ነገራት ብሞሳ እያ እትቕበሎ ነይራ። ምእንቲ እታ እትፈትዋ ናእሚ ኢላ፡ ትሑት ዕዮ እውን እንተ ዀነ ብትሕትና ንነዊሕ ሰዓታት ምስራሕ ኣየሕፍራን እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ብኸመይ ብዘይ ጕድኣት ክትሰርሕን ምስ መን ክትሰርሕን ከም ዘለዋ ዚገልጽ ጥበባዊ ምኽሪ ብሞሳ ተቐቢላ ተግቢራቶ እያ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ናይ ሓቂ መዕቈቢኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኣ ኸም ዝዀነ ኣይረስዐትን።
ንሕና እውን ከም ሩት ብተኣማንነት ተደሪኽና ፍቕሪ ነርኢ እንተ ዄንና፡ ንትሕትናኣን ንጻዕራን ንሞሳኣን ከኣ ንቐድሖ እንተ ዄንና፡ እምነትና ንኻልኦት ሰባት ብልጽቲ ኣብነት ክትኰኖም ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሩትን ንናእሚን እተኸናኸነን ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ኣብታ ቐጺላ እትወጽእ ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ነታ ኣብ ገጽ 29 ዘላ፡ “ሕቶታት ኣንበብትና—ኣምላኽ፡ ኣምለኽቱ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ጥራይ ኪምርዓዉ ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
b እቲ ዜገርም፡ ሩት ከምቲ ብዙሓት ጓኖት ዚገብርዎ፡ ነቲ “ኣምላኽ” ዚብል መዓርግ ጥራይ ኣይኰነትን ተጠቒማ፣ ነቲ “የሆዋ” ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እውን ተጠቒማትሉ እያ። ዘ ኢንተርፕረተርስ ባይብል፡ “በዚ ኸምዚ፡ እቲ ጸሓፊ፡ እዛ ጓና ሰበይቲ እዚኣ ሰዓቢት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነት ኣጕልሐ” በለ።
c እዚ ሕጊ እዚ፡ ሩት ኣብ ዓዳ ፈጺማ ሰሚዓቶ ዘይትፈልጥ ዜደንቕ ሕጊ እዩ ነይሩ። ኣብ ጥንታዊ ቐረባ ምብራቕ፡ መበለታት ብጽቡቕ ኣይተሓዛን እየን ነይረን። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከምዚ በለ፦ “ሓንቲ መበለት፡ ድሕሪ ሞት ሰብኣያ፡ ደቃ እዮም ዚድግፍዋ ነይሮም፣ ደቂ እንተ ዘይብላ ኸኣ፡ ባርያ ወይ ኣመንዝራ ትኸውን፡ ወይ ከኣ ትመውት ነበረት።”
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን]
ንእሽቶ ግናኸ ብልጽቲ
እታ ንእሽቶ ግናኸ ብልጽቲ ዝዀነት መጽሓፍ ሩት፡ ምስ ንእሽቶ ኽቡር እምኒ ብምምስሳል ተገሊጻ ኣላ። ሓቂ እዩ፡ መጽሓፍ ሩት ልክዕ ከምታ ቕድሚኣ ዘላ መጽሓፍ መሳፍንቲ ሰፊሕ ሓበሬታ ዝሓዘት ኣይኰነትን፣ ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ መሳፍንቲ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሩት ዘሎ ታሪኽ ኣበየናይ ዘመን ከም ዘጋጠመ ንኽንፈልጥ ትሕግዘና እያ። (ሩት 1:1) ክልቲአን መጻሕፍቲ ብነብዪ ሳሙኤል ተጻሒፈን ኪዀና ኣለወን። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ መጽሓፍ ሩት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልክዕ ቦታኣ ኸም ዘላ ትሰማማዕ ትኸውን ኢኻ። ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ብዛዕባ ውግእን ወራርን ኣንጻር ወራር ዚግበር ቃልስን ከተንብብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዛ የሆዋ ነቶም ምስ መዓልታዊ ጸገማት ዚቃለሱ ሰላማውያን ሰባት ዕሽሽ ከም ዘይብሎም እተዘኻኽር ንእሽቶ መጽሓፍ ትበጽሕ። እዛ ብዛዕባ ሓንቲ ተራ ስድራ ቤት እትትርኽ ድራማ፡ ንዅላትና ኺጠቕመና ዚኽእል ብዛዕባ ፍቕርን ሓዘንን እምነትን ተኣማንነትን ዚገልጽ ትምህርቲ ዝሓዘት እያ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ሩት ኣብ እዋን ሓዘን ብዝያዳ ናብ ናእሚ ቐረበት
[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእሊ]
“ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ”
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ሩት ንገዛእ ርእሳን ንናእሚን ኢላ፡ ከቢድን ትሑትን ስራሕ ክትሰርሕ ፍቓደኛ ነበረት