1 ሳሙኤል
16 የሆዋ ድማ ንሳሙኤል፡ “ኣነ ንዕኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸለኹስ፡+ ንስኻ ኽሳዕ መዓስ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ፧+ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካ ኺድ።+ ካብ መንጎ ደቂ እሴይ+ ብዓል ቤት-ልሄም ንጉስ ዚዀነኒ ሓርየ ስለ ዘለኹ፡+ ናብኡ ኽልእከካ” በሎ። 2 ሳሙኤል ግና፡ “ከመይ ገይረ ክኸይድ፧ ሳኦል ብዛዕባ እዚ እንተ ሰሚዑ፡ ኪቐትለኒ እዩ” በሎ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ኣርሒ ተማላእ እሞ፡ ‘ንየሆዋ ኽስውእ መጺአ’ በል። 3 ንእሴይ ድማ ናብቲ መስዋእቲ ጸውዓዮ፣ እቲ እትገብሮ ኸኣ ኣነ ኽነግረካ እየ። ነቲ ዝብለካ ድማ ቅብኣለይ” ኢሉ መለሰሉ።+
4 ሳሙኤል ከኣ እቲ የሆዋ ዝበሎ ገበረ። ናብ ቤት-ልሄም ምስ መጸ፡+ ዓበይቲ እታ ኸተማ ራዕራዕ እናበሉ ተቐበልዎ፡ “ብሰላም ዲኻ መጺእካ፧” እውን በልዎ። 5 ንሱ ድማ፡ “ብሰላም እየ። ንየሆዋ ኽስውእ እየ መጺአ። ተቐደሱ፡ ናብቲ መስዋእቲ እውን ምሳይ ምጹ” በለ። ሽዑ፡ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፡ ናብቲ መስዋእቲ እውን ጸውዖም። 6 ምስ መጹ፡ ንኤልያብ ረኣዮ እሞ፡+ “ብርግጽ እቲ ቕቡእ የሆዋ ኣብ ቅድሚኡ እንሀ” በለ። 7 የሆዋ ግና ንሳሙኤል፡ “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት።+ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ እሞ፡+ ኣምላኽሲ ኸምቲ ሰብ ዚርእዮ ኣይኰነን ዚርኢ” በሎ። 8 ሽዑ፡ እሴይ ንኣቢናዳብ ጸዊዑ፡+ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ፣ ንሱ ግና፡ “ነዚ እውን የሆዋ ኣይሓረዮን” በለ። 9 እሴይ ከኣ ንሻማ ኣቕረቦ፣+ ንሱ ግና፡ “ነዚ እውን የሆዋ ኣይሓረዮን” በለ። 10 እሴይ ድማ ንሸውዓተ ደቁ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም፣ ሳሙኤል ግና ንእሴይ፡ “የሆዋ ነዚኣቶም ኣይሓረዮምን” በሎ።
11 ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ “እዚኣቶም ድዮም ኵሎም ደቅኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ገና እቲ ሕሳስ ልደ ተሪፉ ኣሎ፣+ ንሱ ኣባጊዕ ይጓሲ ኣሎ” በሎ።+ ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ “ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣብ መኣዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣዮ” በሎ። 12 ንሱ ድማ ልኢኹ ኣምጽኦ። ንሱ ኸኣ ቀይሕን ጽቡቕ ዝኣዒንቱን ጽቡቕ ዝትርኢቱን ነበረ።+ የሆዋ ድማ፡ “ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ” በለ።+ 13 ሽዑ፡ ሳሙኤል ነቲ ቐርኒ ዘይቲ+ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ድማ፡ መንፈስ የሆዋ ንዳዊት ኣኽእሎ ሃቦ።+ ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ራማ ኸደ።+
14 መንፈስ የሆዋ ድማ ካብ ሳኦል ረሓቐ፣+ ካብ የሆዋ ድማ ክፉእ መንፈስ ኣሸበሮ።+ 15 እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ “እንሆ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ የሸብረካ ኣሎ። 16 ጐይታና ድማ በጃኻ ንገላዉኻ፡ ክኢላ ወቓዕ መሰንቆ* ዝዀነ ሰብ ክንደሊ ኣዝዝ።+ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ኪመጸካ ኸሎ፡ ንሱ ኺወቅዕ እሞ፡ ኪሕሸካ እዩ” በልዎ። 17 ሳኦል ከኣ ንገላዉኡ፡ “ጽቡቕ ዚወቅዕ ሰብ በጃኹም ርኸቡለይ እሞ ኣምጽኡለይ” በሎም።
18 ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉ፡ “እንሆ፡ ወዲ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክኢላ ወቓዒ ምዃኑ ርእየ ኣለኹ፣ ንሱ ተባዕ ጅግና እዩ።+ ጽቡቕ ገይሩ ኺዛረብ ዚኽእልን መልክዐኛን እዩ፡+ የሆዋ ኸኣ ምስኡ እዩ” በለ።+ 19 ሳኦል ከኣ ንእሴይ፡ “ነቲ ምስ መጓሰ ዘሎ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።+ 20 እሴይ ድማ እንጌራን ሓርቢ ወይንን እተጻዕነት ኣድግን ሓደ ማሕስእን ወሲዱ፡ ምስ ዳዊት ወዱ ገይሩ ናብ ሳኦል ሰደዶ። 21 ዳዊት ከኣ ናብ ሳኦል መጸ፡ የገልግሎ ድማ ነበረ።+ ሳኦል ድማ ኣዝዩ ፈተዎ፡ ተሰካም ኣጽዋሩ እውን ኰነ። 22 ሳኦል ንእሴይ፡ “ዳዊት ኣብ ኣዒንተይ ሞገስ ረኺቡ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ የገልግለኒ” ኢሉ ለኣኸሉ። 23 ንሳኦል ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ምስ ዚመጾ፡ ዳዊት መሰንቆ ወሲዱ ይወቅዕ ነበረ፣ ሳኦል ድማ እፎይታ ይረክብን ይሕሾን ነበረ፣ እቲ ኽፉእ መንፈስ እውን ካብኡ የልግስ ነበረ።+