ፈጣሪኻ —ከመይ ከም ዝመስል ፍለጥ
“ኵሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸሕልፍ እየ: ስም እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ። ”—ዘጸኣት 33:19
1. ፈጣሪ ክብሪ ክወሃቦ ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ነታ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ፈጣሪ ነዚ ዝስዕብ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ሓሳባት ገለጸ:- “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።” (ራእይ 4:11) ከምቲ እዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ዘረጋገጸቶ: ናይ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ርኽበታት ኣብቲ ዅሉ ነገር ዝፈጠረ ንኽንኣምን ተወሳኺ ምኽንያት ከም ዝዀነና ርኢና ኢና።
2, 3. (ሀ) ሰባት ብዛዕባ ፈጣሪ ምእንቲ ክማሃሩ እንታይ የድልዮም፧ (ለ) ንፈጣሪ ብኣካል ክንረኽቦ ምኽንያታዊ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ልክዕ ከምቲ ፈጣሪ ምህላዉ ምእማን ኣገዳሲ ዝዀነ: ሰባት ናብኡ ንኽቐርቡ ዝሕግዝ ባህርን መገድታትን ዘለዎ ናይ ሓቂ ኣካል ምዃኑ ብምርዳእ ከመይ ከም ዝመስል ምፍላጥ ድማ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝገበርካዮ ብዘየገድስ: ንዕኡ ብዝበለጸ ክትፈልጦ ጠቓሚ ኣይኰነንዶ፧ እዚ ንምግባር ከምቲ ምስ ሰባት እንራኸቦ ምስኡ ብኣካል ምርኻብ ኣየድልየናን ኢዩ።
3 የሆዋ ፈጣሪ ናይ ከዋኽብቲ እውን ኢዩ: ጸሓይና ድማ ሓንቲ ማእከላይ ግዝፊ ዘለዋ ኮኾብ ኢያ። ምስ ጸሓይ ብኣካል ክትራኸብ ትሓስብዶ፧ እዚ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ኢዩ! ብዙሓት ሰባት ንሓንሳእ እውን ይዅን ትኵር ኢሎም ክርእይዋ ወይ ድማ ቈርበቶም ንነዊሕ ግዜ በቲ ብርቱዕ ጩርኣ ክጥቃዕ ኣይደልዩን ኢዮም። እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዋዒ 15,000,000 ዲግሪ ሰንቲግሬድ (27,000,000°F.) ኢዩ። እዚ ብርቱዕ ኑክሌራዊ ዋዒ ዘለዎ እቶን እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ገለ ኣርባዕተ ሚልዮን ቶን ዝኸውን ንጥረ ነገር ናብ ሓይሊ ይልውጥ። ውሑድ ክፋሉ ድማ ከም ዋዕን ብርሃንን ኰይኑ ኣብ ምድሪ ይበጽሕ: እዚ ግን ንዅሉ እቲ ኣብዚ ዘሎ ህይወት ዝኣክል ኢዩ። እዚ መሰረታዊ ሓቅታት እዚ ብዛዕባ እቲ ዘርዕድ ሓይሊ ኣምላኽ ከም እንምሰጥ ክገብረና ይግባእ። ኢሳይያስ ብዛዕባ ‘ዕቤት ምልኩን ብርታዔ ሓይሉን’ ምዝራቡ ብሓቂ ዝሰማማዕ ኢዩ።—ኢሳይያስ 40:26
4. ሙሴ እንታይ ኢዩ ዝሓተተ: የሆዋኸ ብኸመይ መለሰሉ፧
4 እንተዀነ ግን እስራኤላውያን ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ሙሴ ንፈጣሪ “በጃኻ: ክብርኻ ኣርእየኒ” ብምባል ለመኖ። (ዘጸኣት 33:18) ኣምላኽ ፈጣሪ ናይ ጸሓይ እውን ከም ዝዀነ ብምዝካር: ንሙሴ “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ: ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” ዝበሎ ስለምንታይ ምዃኑ ክርድኣካ ይኽእል ኢዩ። ፈጣሪ ‘ክሓልፍ’ ከሎ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ክሕባእ ኣፍቀደ። ብድሕርዚ ሙሴ ንኣምላኽ ‘ብድሕሪኡ’ ረኣዮ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ገለ ዓይነት ነጸብራቕ ግርማ ወይ ህላወ ፈጣሪ ርእዩ ማለት ኢዩ።—ዘጸኣት 33:20-23፣ ዮሃንስ 1:18
5. ፈጣሪ ነቲ ሙሴ ዝነበሮ ባህጊ ብኸመይ ኢዩ ኣዕጊብዎ: እዚኸ እንታይ የረጋግጽ፧
5 ሙሴ ንፈጣሪ ብዝበለጸ ንኽፈልጦ ዝነበሮ ባህጊ ዓጊቡ ኢዩ። ኣምላኽ ብጥቓ ሙሴ ክሓልፍ ከሎ ብሓደ መልኣኽ ኣቢሉ ከምዚ ብምባል ኣወጀ:- “እግዚኣብሄር: መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል: ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ።” (ዘጸኣት 34:6, 7) እዚ ድማ ንፈጣሪ ምፍላጥ ኣካላዊ ቅርጹ ምርኣይ ዘይኰነስ እንታይ ከም ዝመስል ማለት ባህርያቱ ምሉእ ብምሉእ ምርዳእ ዘጣምር ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ።
6. እቲ ዘሎና ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ዘደንቕ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
6 ሓደ ካብቲ እዚ ክንገብረሉ እንኽእል መገዲ: ባህርያት ኣምላኽ ካብቲ ዝፈጠሮ ነገራት ብምርዳእ ኢዩ። ነቲ ናይ ኣካላትካ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ተመልከት። ሳይንቲፊክ ኣመሪካን ብዛዕባ ናይ ኣካላት ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:- “ካብ ግዜ ምውላድ ጀሚሩ ክሳብ ግዜ ሞት ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ብቐጻሊ ኢዩ ዝዓዪ። እተፈላለዩ ጕጅለ ሞለኲልን ዋህዮታትን . . . ካብ ሓሳኹን ሕማም ዘተሓላልፉ ደቀቕቲ ነፍሳትን ይከላኸሉልና። ብዘይ እዚ መከላኸሊታት እዚ ሰባት ክነብሩ ኣይምኸኣሉን።” ምንጪ ናይዚ ስርዓት እዚ እንታይ ኢዩ፧ ኣብታ መጽሔት እቲኣ ዝነበረ ዓንቀጽ ከምዚ ይብል:- “ንኣካላት ካብ ናይ ባክተርያን ቫይረስን መጥቃዕቲ ዝከላኸሉ ጕጅለ ዋህዮታት ንመጀመርታ ግዜ ትሽዓተ ሰሙን ድሕሪ ጥንሲ ኢዮም ዝርኣዩ።” ሓንቲ ጥንስቲ ሰበይቲ ገለ ካብቲ ዘለዋ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ናብቲ ድቂ ተመሓላልፍ። ጸኒሓ ድማ ብጸባ ጡብ ኣቢላ ነቲ ሕጻን ዋህዮታት ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻልን ጠቐምቲ ንጥረ ነገራትን ተመሓላልፈሉ።
7. ብዛዕባ እቲ ዘሎና ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል እንታይ ኢና እንምልከት: ኣብ እንታይ ዝብል መደምደምታ ክንበጽሕ ኢዩኸ ዝመርሓና፧
7 እቲ ናይ ኣካላትካ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ካብ ዝዀነ ይኹን ዘመናዊ ሕክምና ክህቦ ዝኽእል መድሃኒት ዝበልጽ ኢዩ ኢልካ ንኽትድምድም ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ። ስለዚ ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:- ‘እዚ ብዛዕባ ፈጣሪኻን ናባይኻን እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧’ እዚ ‘ንመጀመርታ ግዜ ትሽዓተ ሰሙን ድሕሪ ጥንሲ ዝርአ’ ንሓደ ሓድሽ እተወልደ ሕጻን ንምዕቋብ ከኣ ቅሩብ ዝዀነ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ብርግጽ ጥበብን ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለትን ዘንጸባርቕ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብዚ ስርዓት እዚ ብዛዕባ ፈጣሪ ዝያዳ ክንርዳእ ንኽእልዶ፧ መብዛሕትና ብዛዕባ እቶም ምሉእ ህይወቶም ነቶም እተጸገሙ ዝኸውን ሕክምና ኣብ ምሃብ ዘሕለፉ ከም ኣልበርት ሽወይዘርን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ሰባት እንታይ ኢልና ኢና እንድምድም፧ ብዙሕ ግዜ ደንገጽትን ሰብኣውነት ዘለዎምን ዝብል ገላጺ ቃላት ኢና እንህቦም። ምስ እዚ ብምውድዳር ብዛዕባ እቲ ንሃብታማትን ንድኻታትን ብዘይ ኣፋላላይ ዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል ዝህብ ፈጣሪኸ እንታይ ኢና ክንድምድም እንኽእል፧ ፈቃር: ዘየዳሉ: ደንጋጺ: ከምኡውን ቅኑዕ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። እዝስ ምስቲ ሙሴ ብዛዕባ ፈጣሪ ዝሰምዖ መግለጺ ሓደዶ ኣይኰነን፧
ኣምላኽ ከመይ ከም ዝመስል ይገልጽ
8. የሆዋ ገዛእ ርእሱ ዝገልጸልና ብኸመይ ዝበለ ፍሉይ መገዲ ኢዩ፧
8 ንፈጣሪና ክንፈልጠሉ እንኽእል ካልእ መገዲ እውን ብመጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እዚ ኣገዳሲ ኢዩ ምኽንያቱ ስነ-ፍልጠትን ኣድማስን ፈጺሞም ክገልጽዎ ዘይክእሉ ከምኡውን ጽቡቕ ገይሮም ዘይገልጽዎ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ኢዩ ተቐሚጡ ዘሎ። ሓደ ካብቲ ፈጺሞም ክገልጽዎ ዘይክእሉ ነገራት ናይ ፈጣሪ ብሕታዊ ስም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ብዛዕባ ስም ፈጣርን ኣገዳስነቱን ዝገልጽ። ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ስሙ ገለ 7,000 ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ድማ በተን የሀወሀ ወይ ድማ ጀሀቨሀ ዝብሃላ ኣርባዕተ ፊደላት ዝጸሓፍ ኢዩ፣ ብሓፈሽኡ ድማ የሆዋ ተባሂለን ይድመጻ።—ዘጸኣት 3:15 NW ፣ 6:3 NW
9. ናይ ፈጣሪ ብሕታዊ ስም እንታይ ማለት ኢዩ: ካብዚኸ እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም እንኽእል፧
9 ንፈጣሪ ብዝበለጸ ንኽንፈልጦ ሓደ ዘይጭበጥ “ናይ ኵሉ ነገር ምንጪ ዝዀነ” ወይ ድማ ግልጺ ዘይኰነ “ዘሎኹ እየ” ዝበለ ገይርና ጥራይ ክንርድኦ የብልናን። እቲ ናይ ብሕቲ ስሙ እዚ ኢዩ ዘብርህ። ስሙ ‘ምዃን’ ወይ ‘ከምቲ ክትኰኖ ዝግብኣካ ምዃን’ ዝብል ትርጕም ዘለዎ ዓይነት ናይ እብራይስጢ ግሲ ኢዩ።a (ምስ ዘፍጥረት 27:29 NW ፣ መክብብ 11:3 NW ኣረኣእዮ።) ስም ኣምላኽ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ: ንዕላምኡን ተግባራቱን ዘጕልሕ ከኣ ኢዩ። ንስሙ ብምፍላጥናን ብምጥቃምናን መብጽዓታቱ ከም ዝፍጽም: ብንጥፈት ከኣ ዕላማታቱ ኣብ ፍጻሜ ከም ዘብጽሕ ክንርዳእ ንኽእል።
10. ካብቲ ናይ ዘፍጥረት ጸብጻብ እንታይ ኣገዳሲ ፍልጠት ኢና እንረክብ፧
10 መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ ፍልጠት ዕላማ ኣምላኽን ባህርያቱን ኢዩ። ናይ ዘፍጥረት ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ሓደ ግዜ ሰባት ምስ ኣምላኽ ሰላም: ንመጻኢ ኸኣ ነዊሕን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ነይርዎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:7-9) ምስቲ ስሙ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ብምስምማዕ: የሆዋ ነቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ንሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ስቓይን ጭንቀትን ከም ዝውድኦ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብዛዕባ መፈጸምታ ዕላምኡ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር: ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ: . . . ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።”—ሮሜ 8:20-21
11. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት እንምልከት ስለምንታይ ኢና: ገለ ኣብነት ናይዚኸ እንታይ ኢዩ፧
11 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተግባራቱን ምስ ጥንታዊት እስራኤል ኣብ ዝገበሮ ምምልላስ ዝነበሮ ስምዒትን ብምግላጽ እውን ንፈጣሪና ጽቡቕ ገይርና ክንፈልጦ ይሕግዘና ኢዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ኤልሳእን እቲ ሓለቓ ሰራዊት ኣሶር ዝነበረ ንእማንን ንርአ። ኣብ 2 ነገስት ምዕራፍ 5 ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ እዚ ከነንብብ ከሎና እቲ ንንእማን ዝሓዞ ሕማም ለምጺ ኣብ እስራኤል ብሓገዝ ኤልሳእ ክድሕን ዝኽእል ምዃኑ ሓንቲ እተማረኸት እስራኤላዊት ጓል ከም እተዛረበት ንረክብ። ንእማን ናብኡ ክኸይድ ከሎ ኤልሳእ ብምስጢራዊ መገዲ ገይሩ ኣእዳዉ ብምንባር ክፍውሶ ኢዩ ትጽቢት ነይርዎ። ኤልሳእ ግን ነቲ ሶርያዊ ናብ ርባ ዮርዳኖስ ከይዱ ክሕጸብ ነገሮ። እቶም ገላዉኡ ንኽእዘዝ ከእምንዎ እኳ እንተ ነበሮም: ከምኡ ምስ ገበረ ግን ሓወየ። ንእማን ክቡር ህያብ ንኤልሳእ ክህቦ ደለየ: ኤልሳእ ግን ኣበየ። ጸኒሑ ሓደ ብጻይ ኤልሳእ ብሕቡእ ናብ ንእማን ከይዱ ሓሶት ብምዝራብ ገለ ካብቲ ክቡር ነገራት ከም ዝረክብ ገበረ። መደላሃቒ ምዃኑ ግን ንሱ ንርእሱ ብለምጺ ከም ዝውቃዕ ገበሮ። እዚ ትምህርቲ ዝህበና ዝድነቕ ጸብጻብ ኢዩ።
12. ካብቲ ናይ ኤልሳእን ንእማንን ጸብጻብ ብዛዕባ ፈጣሪ ኣብ እንታይ መደምደምታ ኢና ክንበጽሕ እንኽእል፧
12 እቲ ጸብጻብ ብዝምስጥ መገዲ እቲ ዓቢ ፈጣሪ ኣድማስ: ኣንጻር እቲ ሎሚ ኣብ ብዙሕ ባህልታት ዘሎ ንሓንቲ ንእሽቶ ጓል ዋጋ ምሃቡ ክሳዕ ክንደይ ትሑት ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ። እቲ ፈጣሪ ንሓደ ዓሌት ወይ ሃገር ካብቲ ካልእ ኣብሊጹ ከም ዘይርኢ እውን የረጋግጽ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜን ሎምን “ፈወስቲ” ዝጥቀሙሉ ልሙድ ናይ ምትላል ኣገባብ ኣብ ክንዲ ዝጥቀም ፈጣሪ ዘገርም ጥበብ ኢዩ ኣርእዩ። ለምጺ ብኸመይ ከም ዝሓዊ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ምትላል ከይተቐጽዐ ክሓልፍ ብዘይምፍቃዱ ድማ ምስትውዓልን ፍትሕን ከም ዘለዎ ኣርኣየ። እዚ ምስቲ ሙሴ ዝሰምዖ ባህሪ የሆዋ ዝሰማማዕዶ ከይኰነ፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ሓጺር እኳ እንተዀነ: ካብኡ ብዛዕባ ፈጣሪና ኣየ ከመይ ዝበለ ፍልጠት ኰን ኢና ክንረክብ እንኽእል!—መዝሙር 33:5፣ 37:28
13. ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከመይ ዝበለ ዋጋ ዘለዎ ትምህርቲ ክንረክብ ከም እንኽእል ኣብርህ።
13 ብዛዕባ እቲ ምምሳው ዘይብሉ ተግባራት እስራኤልን ኣምላኽ ዘርኣዮ ምላሽን ዝገልጽ ካልእ ጸብጻባት ድማ የሆዋ ብሓቂ ከም ዝሓሊ ኢዩ ዘረጋግጽ። መጽሓፍ ቅዱስ እስራኤላውያን መመሊሶም ከም ዝፈተንዎ እሞ ከም ዝጐሃየን እተቘጥዐን ይዛረብ። (መዝሙር 78:40, 41) ስለዚ ፈጣሪ ስምዒት ኣለዎ: ብዛዕባ እቲ ሰባት ዝገብርዎ ድማ ይሓሊ ኢዩ። ካብ ጸብጻብ ናይ ፍሉጣት ውልቀ-ሰባት እውን ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ዳዊት ንጉስ እስራኤል ክኸውን ምስ ተመርጸ ኣምላኽ ንሳሙኤል ከምዚ ኢሉ ነገሮ:- “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።” (1 ሳሙኤል 16:7) እወ: ፈጣሪ ደጋዊ ትርኢት ዘይኰነስ ብውሽጥና ከመይ ምዃንና ኢዩ ዝርኢ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘዕግብ ኰን ኢዩ!
14. ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ከነንብብ ከሎና እንታይ ጠቓሚ ነገር ክንገብር ንኽእል፧
14 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰላሳን ትሽዓተን ዝኸውን መጻሕፍቲ የሱስ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኢዩ ተጻሒፉ: ምንባቡ ኸኣ ይጠቕመና ኢዩ። እዚ ግን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ወይ ታሪኽ ንምፍላጥ ጥራይ ክኸውን የብሉን። ብሓቂ ፈጣሪና እንታይ ከም ዝመስል ክንፈልጥ ንደሊ እንተድኣ ኴንና ነዚ ጸብጻባት እዚ ከነስተንትነሉ ኣሎና። ምናልባት እውን ‘እዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ ባህሪኡ እንታይ ኢዩ ዘብርህ፧ ኣብዚ ኣየነይተን ባህሪ ኢያ ዝያዳ ጐሊሓ እትርአ፧’ ብምባል ክንሓስብ ንኽእል ኢና።b ከምዚ ምግባር እቶም ተጠራጠርቲ እውን ከይተረፈ መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ ምንጪ ዘለዎ ምዃኑ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ፈቃር ደራሲኡ ብዝበለጸ ንምፍላጥ መሰረት ከም ዝኸውን ንኽርድኡ ይሕገዙ።
ሓደ ዓቢ መምህር ንፈጣሪ ክንፈልጦ ይሕግዘና
15. ናይ የሱስ ተግባራትን ትምህርትታትን ማሃሪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
15 እቶም ንህላወ ኣምላኽ ዝጠራጠሩ ወይ ኣብ ኣምላኽ ዘይንጹር ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይፈልጡን ይዀኑ። ምናልባት ሙሴ ቅድሚ ማቴዎስ ድዩ ወይስ ብድሕሪኡ ዝነብር ነይሩ ዘይፈልጡ ከምኡውን ብዛዕባ ናይ የሱስ ተግባራት ወይ ትምህርትታት ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጡ ሰባት ኣጓኒፎምኻ ይዀኑ ኢዮም። እዚ ዘሕዝን ኢዩ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ፈጣሪ ካብቲ ዓቢ መምህር ዝዀነ የሱስ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ክማሃር ዝኽእል። ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ስለ ዘለዎ ፈጣሪና እንታይ ከም ዝመስል ክገልጾ ይኽእል ኢዩ። (ዮሃንስ 1:18፣ 2 ቈረንቶስ 4:6፣ እብራውያን 1:3) ከምኡ ድማ ኢዩ ገይሩ። አረ ሓደ ግዜስ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኢሉ ኢዩ።—ዮሃንስ 14:9
16. የሱስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምዝርራቡ እንታይ ኢዩ ዘብርህ፧
16 እስከ ነዚ ኣብነት እዚ ንርአ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ጥቓ ሲካር ተዘራረበ። ‘ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ኣብ ምምላኽ’ ዘተኰረ ዓሚቝ ሓቂ ኣካፈላ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ንሳምራውያን ይፍንፍንዎም ኢዮም ነይሮም። ብኣንጻሩ ግን የሱስ ነቲ የሆዋ ካብ ኵሉ ዓሌት ንዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ንምቕባል ዘለዎ ፍቓደኛነት ኢዩ ኣንጸባሪቑ። እዚ ድማ ልክዕ ኣብቲ ብዛዕባ ኤልሳእን ንእማንን ዝገልጽ ፍጻመ ዝረኣናዮ ኢዩ። የሆዋ ነዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ከም ዘይሰምሮ የረጋግጸልና። የሱስ ንሰበይቲ: እሞ ኸኣ ንሓንቲ ምስ በዓል ቤታ ዘይኰነ ሰብኣይ እትነብር ሰበይቲ ክምህር ፍቓደኛ ከም ዝነበረ ክንምልከት ንኽእል ኢና። ኣብ ክንዲ ዝዅንና የሱስ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ኢዩ ኣዛሪብዋ፣ እዚ ድማ ክሕግዛ ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ካልኦት ሳምራውያን እውን ንየሱስ ሰምዕዎ እሞ ከምዚ ብምባል ደምደሙ:- ‘ብሓቂ መድሓን ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና።’—ዮሃንስ 4:2-30, 39-42፣ 1 ነገስት 8:41-43፣ ማቴዎስ 9:10-13
17. እቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣልኣዛር ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ እንታይ መደምደምታ ክንበጽሕ ኢዩ ዝመርሓና፧
17 ምስ ናይ የሱስ ተግባራትን ትምህርትታትን ብምልላይ ብዛዕባ ፈጣሪ ብኸመይ ከም እንማሃር ንምርኣይ ካልእ ኣብነት ንውሰድ። ነቲ ዓርኪ የሱስ ዝነበረ ኣልኣዛር ምስ ሞተ ዘጋጠመ ኵነታት ነስተንትነሉ። የሱስ ኣቐዲሙ ንምዉታት ከተንስእ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 7:11-17፣ 8:40-56) እንተዀነ ግን: ማርያም ሓፍቲ ኣልኣዛር ክትበኪ ምስ ረኣያ ከመይ ተሰምዖ፧ የሱስ ‘ብመንፈሱ ተኪዙ ኣሕነቕነቐ።’ የሱስ ዘይግደስ ወይ ስምዒት ዘይብሉ ኣይነበረን: ኣብ ክንድኡስ “ነብዔ” ድኣ። (ዮሃንስ 11:33-35) እዚ መግለጺ ስምዒት ጥራይ ኣይነበረን: የሱስ ኣወንታዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ተደፋፍአ እሞ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ። እዚ ተግባር እዚ ነቶም ሃዋርያት ንስምዒትን ተግባርን ፈጣሪ ንኽርድኡ ሓጊዝዎም ኢዩ። ንዓናን ንኻልኦትን እውን ናይ ፈጣሪ ባህርን መገድታትን ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኣለዎ።
18. ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምጽናዕ ከመይ ክስምዖም ኣለዎ፧
18 መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ብዛዕባ ፈጣሪ ዝያዳ ምፍላጥን ዘሕፍር ምኽንያት የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ዘመኑ ዘሕለፈ መጽሓፍ ኣይኰነን። ሓደ ካብቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጽኒዑ ቀረባ ዓርኪ የሱስ ዝዀነ ዮሃንስ ኢዩ ነይሩ። ጸኒሑ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝህበና: ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ: ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።” (1 ዮሃንስ 5:20) ናይ “ኣእምሮ” ክእለት ተጠቒምና ነቲ “ብዓል ሓቂ” ዝዀነ ፈጣሪ ምፍላጥ ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት’ ከም እንረክብ ክገብረና ዝኽእል ምዃኑ ኣስተብህል።
ካልኦት ብዛዕብኡ ንኽማሃሩ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧
19. ነቶም ተጠራጠርቲ ሰባት ዝሕግዝ እንታይ ስጕምቲ ኢዩ ተወሲዱ ዘሎ፧
19 ገሊኦም ሰባት ብዛዕባና ዝሓሊ ደንጋጺ ፈጣሪ ከም ዘሎን እንታይ ከም ዝመስልን ንኽርድኡ ብዙሕ መርትዖታት ኢዩ ዘድልዮም። ብዛዕባ ፈጣሪ ዝጠራጠሩ ወይ እቲ ብዛዕብኡ ዘለዎም ፍልጠት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓሳባት ዘይሰማማዕ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኢዮም ዘለዉ። ነዚኣቶም ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ኣብቲ ብ1998/99 እተገብረ ኣውራጃውን ኣህጉራውን ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንቲ ሓዳስ ኣስላጢት መጽሓፍ ብብዙሕ ቋንቋታት ተሓቲማ ወጺኣ ነበረት: እዚኣ ድማ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትብል ኢያ።
20, 21. (ሀ) ንመጽሓፍ ፈጣሪ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧ (ለ) መጽሓፍ ፈጣሪ ኣስላጢት ከም ዝዀነት ዘረጋግጽ ተመክሮታት ጥቐስ።
20 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣብ ፈጣሪና ዘሎካ እምነትን ብዛዕባ ባህርያቱን መገድታቱን ዘሎካ ምርዳእን ከም ዝውስኽ ክትገብሮ ኢያ። እዚ ርግጽ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ እዛ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትበሃል መጽሓፍ ነዚ ሸቶታት እዚ ኣብ ኣእምሮ ብምሓዝ እተዳለወት መጽሓፍ ኢያ። ኣብታ መጽሓፍ ብምልእታ ዘሎ ቀንዲ ኣርእስቲ “ንህይወትካ ትርጕም ከም ዘለዎ ክገብሮ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧” ዝብል ኢዩ። እቲ ትሕዝቶኣ ድማ እቶም ብዙሕ ትምህርቲ ዘይብሎም ሰባት እውን ከም ዝምሰጡ ዝገብር ኢዩ። ምስናይዚ ግን ነቲ ኣብ ኵላትና ዘሎ ሃረርታ እውን እትትንክፍ ኢያ። ነቶም ብዛዕባ ህላወ ፈጣሪ ዝጠራጠሩ ኣንበብቲ ዘረድእን ዝምስጥን ትሕዝቶ ኢዩ ዘለዋ። ኣብታ መጽሓፍ እቲ ዘንብብ ንፈጣሪ ዘይኣምን ከም ዝዀነ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ። እቶም ተጠራጠርቲ ብኣቀራርባ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋናት እተገብረ ርኽበታትን ኣምራትን ስነ-ፍልጠት ክማረኹ ኢዮም። እዚ መርትዖታት እዚ ንእምነት ናይቶም ኣምላኽ ከም ዘሎ ዝኣምኑ እውን ከይተረፈ ዘደልድል ኢዩ።
21 ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ከተጽንዑ ከለኹም: ገለ ክፍላ ሓፈሻዊ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ብምቕራብ ንገለ መዳያት ናይ ባህሪ ኣምላኽ እተጕልሕ ኢያ። እዚ ድማ ንኣንበብቲ ብዝበለጸ ንኣምላኽ ክፈልጥዎ ይሕግዝ። ድሮ ዘንበብዋ ብዙሓት ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኣብ ኵነታቶም እውን ሓቂ ኰይኑ ከም እተረኽበ ሓሳባት ሂቦም ኢዮም። (ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ኣብ ገጽ 25-6 ርአ።) ምስ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝያዳ እናተላለኻ ክትከይድ ከሎኻን ካልኦት ንፈጣሪ ኣጸቢቖም ንኽፈልጥዎ ክትሕግዞም ከሎኻን ምእንቲ ክትጥቀመላ ምስ ኵነታትካ እውን እተሰማማዕ ይግበራ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ ኤም. ጀይ. ግራንትሄናር እተባህለ ናይ ጀስዊት ምሁር ናይ ዘ ካቶሊክ ቢብሊካል ኳርተርሊ ኣዳላዊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ከምኣ ዝበለት ግሲ ኣውዒልዎ ዝነበረ ሓሳብ ኣብዛ ግሲ እዚኣ ብምውዓል: “ፈጺማ ጭቡጥ ንዘይኰነ ናይ ህላወ ኣምር ኣመልኪታ ከም ዘይትፈልጥ ኣብ ክንድኡስ ኵሉ ግዜ ንሓደ ክትግንዘቦ ዝከኣል: እዚ ማለት ድማ ጭቡጥ ተርእዮ ዘለዎ ኢያ እትገልጽ።”
b ወለዲ ንደቆም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከንብቡሎም ከለዉ ከምዚ ዝመስል ሕቶታት ብምሕታት ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ መንእሰያት ምስ ኣምላኽ ክላለዩ ይኽእሉ ከምኡውን ብቓሉ ከስተንትኑ ይኽእሉ።
ኣስተብሂልካሉዶ፧
◻ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ምስ የሆዋ ዝያዳ እተፋለጠ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝመስል ንምፍላጥ ዝሕግዝ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና: ናብ ፈጣሪና ዝያዳ ንምቕራብ እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧
◻ ንመጽሓፍ ፈጣሪ ብኸመይ ክትጥቀመላ ኢኻ መደብ ዘሎካ፧
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ሕማም ንምክልኻል ዘሎና ዓቕሚ ብዛዕባ ፈጣሪ እንታይ የብርህ፧
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
እተን ኣርባዕተ ፊደላት ስም ኣምላኽ (ብእብራይስጢ) ጐሊሐን ዝርኣያሉ ገለ ክፍሊ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት
[ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of the Shrine of the Book, Israel Museum, Jerusalem
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ካብቲ የሱስ ንናይ ማርያም ሓዘን ዘርኣዮ መልሲ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧