መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
4 ኦ ጻድቕ ኣምላኸይ፡ ክምህለል ከለኹ፡ መልሰለይ።+
ብግዜ ጭንቀይ መምለጢ ግበረለይ።*
ሞገስ ኣርእየኒ፡ ጸሎተይ ከኣ ስማዕ።
2 ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ንኽብረይ ናብ ውርደት ክትቅይርዎ፧
ክሳዕ መዓስከ ኢኹም ከንቱነት ክትፈትዉን ሓሶት ክትደልዩን፧ (ሴላ)
ኣብ ዓራትኩም ብልብኹም ተዛረቡ፡ ስቕ ድማ በሉ። (ሴላ)
6 “መን ጽቡቕ ኬርእየና እዩ፧” ዚብሉ ብዙሓት ኣለዉ።
ኦ የሆዋ፡ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና።+
7 ካብቲ እቶም ብዙሕ እቶት እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘለዎም
ኣብሊጽካ ንልበይ ብሓጐስ መሊእካዮ ኢኻ።