ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ እንተ ኣሕዲርና፡ ተኣማሚንና ንነብር
“እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW]፡ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፡ ይሰምዕ እዩ።”—መዝ. 4:3።
1, 2. (ሀ) ንዳዊት እንታይ ሓደገኛ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ፧ (ለ) ነየኖት መዝሙራት ኢና ኽንመያየጠለን፧
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ንእተወሰነ እዋን ድሕሪ ምግዛኡ፡ ሓደገኛ ዅነታት ኣጋጠሞ። እቲ ተንኰለኛ ወዱ ኣቤሴሎም፡ ከም ዝነገሰ ኣወጀ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ዳዊት ካብ የሩሳሌም ኪሃድም ተገደደ። እቲ መኻፍልቲ ምስጢሩ ዝነበረ ዓርኩ እውን ከድዖ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብሒደት እሙናቱ ተዓጂቡ፡ እናበኸየ ብዘይ ሳእኒ ኪኸይድ ከሎ፡ ካብ ዓሌት ቤት ንጉስ ሳኦል ዝዀነ ሺምዒ ንዳዊት እናረገሞ፡ ኣእማንን ሓመድን ደርበየሉ።—2 ሳሙ. 15:30, 31፣ 16:5-14።
2 እዚ ጸበባ እዚ፡ ንዳዊት ብጓህን ብውርደትን ናብ ሲኦል ኣውሪድዎዶ፧ ኣብ የሆዋ ስለ እተወከለ፡ ከምኡ ኣይበጽሖን። ነዚ ነገር እዚ፡ ኣብታ ብዛዕባ ህድማኡ ዘዳለዋ 3ይቲ መዝሙር ገሊጽዎ ኣሎ። ን4ይቲ መዝሙር እውን፡ ንሱ እዩ ጽሒፍዋ። ኣብ ክልቲአን መዝሙራት፡ ኣምላኽ ጸሎት ከም ዚሰምዕን ከም ዚምልስን ዘለዎ ምትእምማን ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 3:4፣ 4:3) እዘን መዝሙራት እዚኣተን፡ የሆዋ ለይትን መዓልትን ካብ እሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዘይፍለ፡ ከም ዚድግፎም፡ ሰላምን ደሓንን እውን ከም ዚህቦም የረጋግጻልና። (መዝ. 3:5፣ 4:8) እምበኣር፡ ነዘን መዝሙራት እዚኣተን ንመርምረን፣ ብኸመይ ምትእምማን ከም ዜሕድራልናን ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ትውክልቲ ኸም ዜደልድላልናን ከኣ ንርአ።
‘ብዙሓት ኪለዓሉና ኸለዉ’
3. ኣብ መዝሙር 3:1, 2 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ዳዊት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ነበረ፧
3 ሓደ መልእኽተኛ፡ “ልቢ ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ስዒቡ እዩ” በለ። (2 ሳሙ. 15:13) ዳዊት፡ ኣቤሴሎም ክንድዚ ዚኣክል ደገፍ ብኸመይ ከም ዝረኸበ ገሪምዎ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝሑ፡ ኣባይ ዚለዐሉ ብዙሓት እዮም። ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፤ ኣብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን፡ ይብሉ አለዉ” በለ። (መዝ. 3:1, 2) ብዙሓት እስራኤላውያን፡ የሆዋ ንዳዊት፡ ካብ ኢድ ኣቤሴሎምን ጭፍራኡን ከም ዘየድሕኖ እዮም ሓሲቦም ነይሮም።
4, 5. (ሀ) ዳዊት ብዛዕባ እንታይ እዩ ርግጸኛ ዝነበረ፧ (ለ) እተን፡ “ንርእሰይ ልዕል እተብላ” ዚብላ ቓላት እንታይ ትርጕም ኣለወን፧
4 ዳዊት ግን ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ስለ ዝነበሮ፡ ኣይተጠራጠረን። “ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፡ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ” ኢሉ እውን ዘመረ። (መዝ. 3:3) ከምቲ ዋልታ ንወተሃደር ዚከላኸለሉ፡ የሆዋ ኸም ዜዕቍቦ ርግጸኛ ነበረ። እወ፡ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ንጉስ፡ ርእሱ ተጐልቢቡን ተዋሪዱን ይሃድም እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ ከም ዜኽብሮን ንርእሱ ልዕል ከም ዜብላን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ዚምልሰሉ ተኣማሚኑ፡ ተማህለለ። ንስኻኸ ኣብ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትውክልቲ ኣሎካዶ፧
5 ዳዊት፡ “ንርእሰይ ልዕል እተብላ” ኺብል ከሎ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኪረክብ ከም ዚጽበ እዩ ገሊጹ። ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ዎ ጐይታ፡ ንስኻ ግን ወትሩ ኻብ ሓደጋ ተዕቍበኒ ኢኻ፣ ተዐውተንን ተተባብዓንን ኢኻ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ እታ፡ “ንርእሰይ ልዕል እተብላ” እትብል ሓረግ፡ “ኣምላኽ ‘ንርእሲ’ ኻልእ ልዕል ኬብል . . . ከሎ፡ ተስፋን እምንቶን እዩ ዜሕድረሉ” በለ። ዳዊት ካብ ዝፋን እስራኤል ተገዲዱ ስለ ዝወረደ፡ ተስፋ ዜቝርጽ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘ርእሱ ልዕል ብምባሉ፡’ ሓድሽ ትብዓትን እምንቶን ረኸበ፡ ኣብ ኣምላኽ እውን ምሉእ ትውክልቲ ኣሕደረ።
‘የሆዋ ይምልስ እዩ’
6. ዳዊት፡ ጸሎቱ ኻብ ቅዱስ ከረን የሆዋ ኺምለሰሉ እተጸበየ ስለምንታይ እዩ፧
6 ዳዊት ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ስለ ዝነበሮን ስለ እተኣማመነን፡ ቀጺሉ፡ “ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ አሎኹ፡ ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ” በለ። (መዝ. 3:4) ብትእዛዝ ዳዊት፡ እቲ ንህላወ ኣምላኽ ዜመልክት ታቦት ኪዳን ናብ ከረን ጽዮን ተመሊሱ ነይሩ እዩ። (2 ሳሙኤል 15:23-25 ኣንብብ።) ስለዚ ኸኣ እዩ ዳዊት፡ ጸሎቱ ኻብ ቅዱስ ከረን የሆዋ ኺምለሰሉ እተጸበየ።
7. ዳዊት ስለምንታይ እዩ ዘይፈርሀ፧
7 ዳዊት ናብ ኣምላኽ ዜቕርቦ ጸሎት ከንቱ ኸም ዘይከውን ርግጸኛ ስለ ዝነበረ፡ ኣይፈርሀን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፡ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ አሎ እሞ ነቓሕኩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 3:5) ዋላ እውን ኣብቲ ብድንገት መጥቃዕቲ ኺፍነወሉ ዚኽእል ለይቲ፡ ከይፈርሀ ደቀሰ። ካብ ሕሉፍ ተመክሮታቱ፡ ኣብቲ ዘየጠራጥር ደገፍ ኣምላኽ ኪውከል ከም ዚኽእል ምሉእ ብምሉእ ስለ እተኣማመነ፡ ከም ዚነቅሕ ኣይተጠራጠረን። ንሕና እውን፡ ብ“መገድታት እግዚኣብሄር” እንተ ተመላሊስናን ካብኡ ድማ እንተ ዘይተፈሊናን፡ ከምኡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—2 ሳሙኤል 22:21, 22 ኣንብብ።
8. መዝሙር 27:1-4፡ ዳዊት ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ኸም ዝነበሮ እተርኢ ብኸመይ እያ፧
8 ንዳዊት ዝነበሮ ምትእምማንን ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ምሉእ ትውክልትን፡ ኣብ ካልእ መዝሙሩ እውን ተራእዩ እዩ። እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ቓላት ከምዚ ይንበብ፦ “እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፡ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፧ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፡ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧ . . . ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፡ ልበይ ኣይፈርህን እዩ፡ . . . ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ፡ ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፡ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ።” (መዝ. 27:1-4) ንስኻ ኸምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ኵነታትካ እውን ዜፍቅደልካ እንተ ዀይኑ፡ ምስቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾትካ ኣዘውቲርካ ኸም እትእከብ ኣየጠራጥርን እዩ።—እብ. 10:23-25።
9, 10. ዳዊት ነቲ ኣብ መዝሙር 3:6, 7 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት እኳ እንተ ጸሓፈ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ መንፈስ ኣይነበሮን እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧
9 ዳዊት ብኣቤሴሎም ተጠሊሙ፡ ብብዙሓት ካልኦት እውን ተኻሒዱ እኳ እንተ ነበረ፡ “ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ። ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፡ ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ኣድሕነኒ” ኢሉ ዘመረ።—መዝ. 3:6, 7።
10 ዳዊት፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ መንፈስ ኣይነበሮን። ‘ንምንጋጋ ጸላእቱ ኺውቃዕ’ እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽ እዩ ኸምኡ ዚገብር። ንጉስ ዳዊት ንሕጊ ሙሴ ቐዲሑ ስለ ዝጸሓፈ፡ የሆዋ፡ “ምፍዳይ ሕነን ምኽሓስን ናተይ እዩ” ኸም ዝበለ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 17:14, 15, 18፣ 32:35) ‘ኣስናን ረሲኣን ኪሰብር’ ዘለዎ እውን ኣምላኽ እዩ። ምስባር ኣስናኖም፡ ኪጐድኡ ኸም ዘይክእሉ እዩ ዚገብሮም። የሆዋ፡ ‘ልቢ ስለ ዚርኢ፡’ መን ረሲእ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (1 ሳሙ. 16:7) ኣምላኽ ነቲ ቐንዲ እኩይ ዝዀነ ሰይጣን ንምቅዋሙ ዜኽእል እምነትን ብርታዐን ስለ ዝሃበና፡ ብዙሕ ከነመስግኖ ይግባኣና እዩ፣ ሰይጣን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም ስኒ ዘይብሉ ኣንበሳ እናጓዘመ ናብ መዓሙቝ ኪድርበ እዩ።—1 ጴጥ. 5:8, 9፣ ራእ. 20:1, 2, 7-10።
“ምድሓን ናይ የሆዋ እዩ”
11. ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኽንጽልየሎም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
11 ዳዊት ኣብቲ እዋን ጸበባኡ፡ ምድሓን ካብ የሆዋ ጥራይ ከም ዚረክብ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ኣይኰነን ዚሓስብ ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ሞገስ የሆዋ ዝረኸቡ ህዝቢኸ እንታይ እዩ ኢሉ፧ ነታ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፋ መዝሙር፡ “ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እዩ፡ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን” ኢሉ እዩ ዛዚምዋ። (መዝ. 3:8) ዓበይቲ ጸገማት እኳ እንተ ነበሮ፡ ንህዝቢ የሆዋ ብሓፈሻ ኣይረስዖምን፡ ኣምላኽ ከም ዚባርኾም እውን ምትእምማን ነበሮ። ንሕናኸ ብዛዕባ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኽንሓስብ ኣይግባኣናንዶ፧ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓትን ብምትእምማንን ምእንቲ ኺነግሩ፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ንኺህቦም፡ ኣብ ጸሎትና ንዘክሮም።—ኤፌ. 6:17-20።
12, 13. ኣቤሴሎም እንታይ ኰነ፧ ዳዊትከ ኸመይ ተሰምዖ፧
12 ኣቤሴሎም ተዋሪዱ እዩ ሞይቱ፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም እቶም ንኻልኦት ዚጐድኡ፡ ብሕልፊ ድማ ንኸም ዳዊት ዝኣመሰሉ ቕቡኣት ኣምላኽ ዚሃስዩ፡ መጠንቀቕታ ዚኸውን እዩ። (ምሳሌ 3:31-35 ኣንብብ።) ውግእ ምስ ኰነ፡ ሰራዊት ኣቤሴሎም ተሳዕረ። ኣቤሴሎም ከኣ በቕሊ ሰሪሩ ኺሃድም ከሎ፡ ነዊሕ ጸጕሩ ብጨንፈር ዓብዪ ኦም ተታሕዘ። ኣብኡ ኸኣ፡ ጠልጠል ኢሉ ተረፈ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ዮኣብ መጺኡ ሰለስተ መዝረቕ ኣብ ልቡ ሸኸተሉ።—2 ሳሙ. 18:6-17።
13 ዳዊት ኣብ ልዕሊ ወዱ ዝወረደ ነገር ምስ ፈለጠ፡ ተሓጒሱዶ፧ ኣይተሓጐሰን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብዝን ናብትን እናተመላለሰ፡ “ወደይ ኣቤሴሎም፡ ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ፡ ወደይ ኣቤሴሎም፡ ወደይ” ኢሉ በኸየ። (2 ሳሙ. 18:24-33) ነቲ መሪር ሓዘን ኪውሕጦ ዝኸኣለ እውን፡ ዮኣብ መጺኡ ምስ ተዛረቦ እዩ። እቲ ብህርፋን ስልጣን ተደሪኹ ምስቲ ቕቡእ የሆዋ ዝነበረ ኣቦኡ ኺዋጋእ እተላዕለ ኣቤሴሎም፡ ኣብ መወዳእታኡ ንሱ ባዕሉ እዩ ጠፊኡ።—2 ሳሙ. 19:1-8፣ ምሳ. 12:21፣ 24:21, 22።
ዳዊት ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ትውክልቲ ኸም ብሓድሽ ገለጸ
14. ብዛዕባ እቲ መዝሙር 4 እተጻሕፈትሉ ምኽንያት እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧
14 ራብዐይቲ መዝሙር፡ ልክዕ ከምታ ሳልሰይቲ መዝሙር፡ ነቲ ዳዊት ኣብ የሆዋ ዘለዎ ምሉእ ትውክልቲ እትገልጽ ልባዊ ጸሎት እያ። (መዝ. 3:4፣ 4:3) ዳዊት ነዛ መዝሙር እዚኣ ዝጸሓፋ፡ እቲ ኣቤሴሎም ዝፈተኖ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ፈሸለ እተሰምዖ እፎይታን ምስጋናን ንምግላጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ብዛዕባ ሌዋውያን ዘመርቲ እናሓሰበ ጽሒፍዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እዛ መዝሙር እዚኣ ምስትንታንና፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኼደልድለልና ይኽእል እዩ።
15. ናብ የሆዋ ብወዱ ኣቢልና ኣብ እንጽልየሉ እዋን፡ ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
15 ዳዊት ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ምሉእ ትውክልትን ጸሎቱ ኸም ዚስማዕ ዝነበሮ ምትእምማንን ከም ብሓድሽ ገለጸ። “ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፡ ከእዊ ኸሎኹ፡ ምለሰለይ፡ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፡ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 4:1) ንሕና እውን ብጽድቂ ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። እቲ “ኣምላኽ ጽድቂ” ዝዀነ የሆዋ ንቕኑዓት ህዝቡ ኸም ዚባርኾም ምፍላጥና፡ ኣብቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ዘሎና እምነት ተመርኲስና፡ ብወዱ ኣቢልና ናብኡ ብምትእምማን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 3:16, 36) እዝስ ከመይ ዝበለ ሰላም ኰን እዩ ዜምጽኣልና!
16. ዳዊት ስለምንታይ እዩ ጕህዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧
16 ሓድሓደ ግዜ፡ ንዝነበረና ምትእምማን ኬጥፍእ ዚኽእል ዜጕሂ ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ዳዊት፡ “ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መኣዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መኣዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፡ ሓሶትውን ትደልዩ፧” ኢሉ ስለ ዝዘመረ፡ ኣብ እተወሰነ እዋን ከምኡ ኣጋጢምዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝ. 4:2) ኣብዚ “ደቂ ሰብ” ኪብል ከሎ፡ ኣብ ኣሉታዊ ሸነኾም እዩ ዜተኵር ነይሩ። ጸላእቲ ዳዊት ‘ከንቱነት ይፈትዉ’ ነበሩ። ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን ነዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ጥበራ እትፈትዉ፡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እውን እትደልዩ፧” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ብተግባራት ካልኦት እኳ እንተ ጐሃና፡ ከይተሓለልና ኻብ ልቢ ንጸሊ፡ ኣብቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ምሉእ ብምሉእ ንወከል።
17. ምስ መዝሙር 4:3 ብኸመይ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ከም እንኽእል ግለጽ።
17 ዳዊት ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ትውክልቲ፡ ኣብተን፡ “እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ [“ንእሙኑ፡” NW] ኸም ዝሐረዮ፡ ፍለጡ። እግዚኣብሄር፡ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፡ ይሰምዕ እዩ” ዚብላ ቓላት ነጺሩ ኣሎ። (መዝ. 4:3) ንየሆዋ እሙን ንምዃን፡ ትብዓትን ኣብኡ ምሉእ ትውክልትን ይሓትት። ንኣብነት፡ ሓደ ዘይንሳሕ ኣባል ቤተሰብና ምስ ዚውገድ፡ እዘን ባህርያት እዚኣተን የድልያና እየን። ኣምላኽ ነቶም ንዕኡን ንመገድታቱን እሙናት ዝዀኑ የኽብሮም እዩ። ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነትን ኣብኡ ዘሎና ምሉእ ትውክልትን ከኣ፡ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ።—መዝ. 84:11, 12።
18. ኣደዳ ጐዳኢ ቓላት ወይ ተግባራት እንተ ዄንና፡ ምስ መዝሙር 4:4 ብምስምማዕ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
18 ካልእ ሰብ ዜሕርቐና ዘረባ እንተ ተዛሪቡ፡ ወይ ዜጕህየና ተግባር እንተ ገይሩኸ፧ ከምቲ ዳዊት፡ “ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፡ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን” ኢሉ ዝጸሓፎ እንተ ጌርና፡ ሓጐስና ኣይከነጥፍእን ኢና። (መዝ. 4:4) ኣደዳ ጐዳኢ ቓላት ወይ ተግባራት እንተ ዄንና፡ ሕነ ብምፍዳይ ኣይንሕጣእ። (ሮሜ 12:17-19) ኣብ መደቀሲና ኸለና፡ ብልብና ነቲ ጕዳይ ክንሓስበሉ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንተ ጸሊና፡ ሓድሽ ኣረኣእያ ኺህልወናን ብፍቕሪ ተደሪኽና ይቕረ ኽንብልን ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 4:8) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መዝሙር 4:4 ተመርኲሱ፡ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ” ኢሉ ዝሃበና ምኽሪ ኸነተኵረሉ ይግባእ።—ኤፌ. 4:26, 27።
19. መዝሙር 4:5 ምስ መንፈሳዊ መስዋእትታትና ብእተተሓሓዘ፡ ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧
19 ዳዊት ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም ዘሎና ኼጕልሕ ከሎ፡ “መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 4:5) እስራኤላውያን ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ፡ ዋጋ ምእንቲ ኺህልዎ፡ እቶም ህዝቢ ቕኑዕ ውሽጣዊ ድራኸ ኺህልዎም ነበሮ። (ኢሳ. 1:11-17) ንሕና እነቕርቦ መንፈሳዊ መስዋእትታት እውን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺህልዎ፡ ውሽጣዊ ድራኸና ቕኑዕ ኪኸውንን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን ኣሎና።—ምሳሌ 3:5, 6፣ እብራውያን 13:15, 16 ኣንብብ።
20. ‘ብርሃን ገጽ የሆዋ’ ንምንታይ የመልክት፧
20 ዳዊት ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ብዙሓት፤ ንሰናይ መን እዩ ዜርእየና፧ ይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና” በለ። (መዝ. 4:6) ‘ብርሃን ገጽ የሆዋ’ ንመለኮታዊ ሞገስ የመልክት። (መዝ. 89:15) ስለዚ፡ “ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና” ኺብል ከሎ፡ ‘ሞገስካ ሃበና’ ማለቱ እዩ ነይሩ። ኣብ የሆዋ ስለ እንውከል፡ ብምትእምማን ፍቓዱ ኽንገብር ከለና፡ ሞገሱን ዓብዪ ሓጐስን ንረክብ ኢና።
21. ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ንሳተፍ እንተ ዄንና፡ እንታይ ከም እንረክብ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
21 ዳዊት ነቲ ብቐውዒ ኻብ ዚርከብ ሓጐስ ዚበልጽ ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ሓጐስ ብሃንቀውታ እናተጸበየ፡ ንየሆዋ፡ “ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ” ኢሉ ዘመረሉ። (መዝ. 4:7) ሎሚ ኣብ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ንሳተፍ እንተ ዄንና፡ ልባዊ ሓጐስ ከም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 10:2) ቍጽሪ “ዓየይቲ” ኺበዝሕ ከሎ፡ ምስቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም፡ ‘ብዙሕ ህዝቢ’ እተባህሉ ቕቡኣት ብሓባር ንሕጐስ ኢና። (ኢሳ. 9:3) ኣብዚ ዜሐጕስ ዕዮ ቐውዒ ብሓቂ ዜዕግብ እጃም ኣሎካዶ፧
ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ጌርካ፡ ተኣማሚንካ ገስግስ
22. እስራኤላውያን ሕጊ ኣምላኽ ኪሕልዉ ኸለዉ፡ ከምቲ ኣብ መዝሙር 4:8 ተገሊጹ ዘሎ፡ እንታይ ይረኽቡ ነበሩ፧
22 ዳዊት ነታ መዝሙሩ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፡ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ” ብዚብላ ቓላት ዛዘማ። (መዝ. 4:8) እስራኤላውያን፡ ሕጊ የሆዋ ኺሕልዉ ኸለዉ፡ ምስኡ ብሰላም ይነብሩን ብደሓን ይሓድሩን ነበሩ። ንኣብነት፡ ብግዜ ግዝኣት ሰሎሞን፡ ‘ይሁዳን እስራኤልን ብህድኣት ይቕመጡ ነበሩ።’ (1 ነገ. 4:25) ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ኣብ ዚጻብእዎም ዝነበሩ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ እቶም ኣብ ኣምላኽ እተወከሉ ሰላም ረኺቦም ነበሩ። ንዓና እውን ኣምላኽ ብደሓን ስለ ዜሕድረና፡ ከም ዳዊት፡ ብሰላም ኢና እንድቅስ።
23. ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ እንተ ኣሕዲርና፡ እንታይ ክንረክብ ንኽእል፧
23 ሃየ እምበኣር፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ተኣማሚንና ንገስግስ። ብእምነት ንጸሊ እሞ፡ ነቲ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ክንረክብ ኢና። (ፊል. 4:6, 7) እዝስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽኣልና! ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ እንተ ኣሕዲርና፡ ብዛዕባ መጻኢና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ዳዊት ብሰንኪ ኣቤሴሎም እንታይ ጸገማት ኣጓነፎ፧
• መዝሙር 3፡ ምትእምማን እተሕድረልና ብኸመይ እያ፧
• መዝሙር 4፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ እተደልድለልና ብኸመይ እያ፧
• ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ እንተ ጌርና፡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ዳዊት ካብ ኣቤሴሎም ኣብ ዝሃደመሉ ግዜ እውን ከይተረፈ፡ ብየሆዋ ይተኣማመን ነበረ
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእልታት]
ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ኣሎካዶ፧