መዝሙር
148 ንያህ ወድስዎ!*
ንየሆዋ ኻብ ሰማያት ወድስዎ፣+
ኣብ ላዕሊ ወድስዎ።
2 ኵልኹም መላእኽቱ፡ ወድስዎ።+
ኵልኹም ሰራዊቱ፡ ወድስዎ።+
3 ኣትን ጸሓይን ወርሕን፡ ወድሳኦ።
ኵልኹም እትበርሁ ኸዋኽብቲ፡ ወድስዎ።+
4 ኣቱም ሰማየ ሰማያትን
ኣቱም ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘለኹም ማያትን፡ ወድስዎ።
5 ንሱ ኣዚዙስ፡ ተፈጢሮም እዮም እሞ፡+
ንስም የሆዋ ይወድስዎ።
7 ንየሆዋ ኻብ ምድሪ ወድስዎ፣
ኣቱም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን ኣቱም መዓሙቝ ማያትን፡
8 ኣቱም በርቅን በረድን ውርጭን ከቢድ ደበናታትን፡
ኣታ ቓሉ እትፍጽም ህቦብላ ንፋስ፡+
ኣቱም ፈረይቲ ኣእዋምን ኵልኹም ቄድሮሳትን፡+
10 ኣቱም እንስሳታት ዘገዳምን+ ኵልኹም እንስሳታት ዘቤትን፡
ኣቱም ለመምትን ኣትን ኣኽናፍ ዘሎክን ኣዕዋፍን፡
11 ኣቱም ነገስታት ምድርን ኵልኹም ኣህዛብን፡
ኣቱም መሳፍንትን ኵልኹም ፈራዶ ምድርን፡+
ኣቱም ዓበይትን ንኣሽቱን ብሓባር ወድስዎ።
ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ምድርን ሰማይን እዩ።+
ንያህ ወድስዎ!*