146 ንያህ ወድስዎ!+
ኵለንትናይ ንየሆዋ ይወድሶ።+
2 ምሉእ ህይወተይ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ።
ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ንኣምላኸይ ውዳሰ ኽዝምረሉ እየ።
3 ብመሳፍንቲ ዀነ፡
በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ።+
4 መንፈሱ ይወጽእ፡ ናብ ምድሪ ይምለስ፣+
በታ መዓልቲ እቲኣ ሓሳባቱ ይጠፍእ።+
5 ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዳኢኡ፡+
ተስፋኡ ኸኣ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ዝገበረ፡ ሕጉስ እዩ፣+
6 ንሱስ ሰማይን ምድርን፡
ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ፡+
ወትሩ እሙን ዝዀነ፡+
7 ንእተዓመጹ ፍትሒ ዜውጽኣሎም፡
ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም እዩ።+
የሆዋ ንእሱራት ይፈትሖም።+
8 የሆዋ ንኣዒንቲ ዕዉራት ይኸፍተን፣+
የሆዋ ንዝደነኑ የተንስኦም፣+
የሆዋ ንጻድቃን የፍቅሮም።
9 የሆዋ ንጓኖት የዕቍቦም፣
ንዘኽታምን ንመበለትን ይኣልዮም፣+
ውጥናት እኩያት ግና ይዓናቕፍ።+
10 የሆዋ ንዘለኣለም ኪነግስ፡+
ኦ ጽዮን፡ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ኺነግስ እዩ።
ንያህ ወድስዎ!