እዮብ
38 ሽዑ፡ የሆዋ ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦+
3 በጃኻ እስከ፡ ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣
ኣነ ኽሓትተካ፡ ንስኻ እውን ኣፍልጠኒ።
ክትርድኦ ትኽእል እንተ ዄንካስ፡ ንገረኒ።
5 ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ መን እዩ ልክዓ ዝወሰነ፧
ወይ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐ መን እዩ፧
6 እቲ መቘሚኣ ኣበይ ሰጢሙ፧
ወይ እምኒ መኣዝና ዝሰረተ መን እዩ፧+
14 ንሳ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ከም ዘሎ ጭቃ ትልወጥ፣
ገጻ ድማ ከም ናይ ክዳን ጐሊሑ ይርአ።
15 እኩያት ግና ብርሃኖም ይኽልኡ፣
እታ እተላዕለት ቅልጽሞም ከኣ ትስበር።
17 ኣፍ ደገታት ሞት+ ተቐሊዑልካዶ ይፈልጥ፧
ኣፍ ደገታት ድቕድቕ ጸልማትከ* ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+
ነዚ ዅሉ ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ ንገረኒ።
ቦታ ጸልማትከ ኣበይ እዩ፧
20 ናብ ዓዱ ኽትወስዶ፡
መገዲ ቤቱ ኸኣ ክትርዳእ ትኽእልዶ፧
21 ሽዑ ያኢ ተወሊድካ ስለ ዝነበርካ፡
ቍጽሪ ዓመታትካ* ድማ ብዙሕ ስለ ዝዀነስ፡ ነዚ ትፈልጦ ዲኻ፧
ንፋስ ምብራቕከ ኻበይ እዩ ኣብ ምድሪ ዚነፍስ፧+
25 ንውሒዝ መትረብ ዝሰንጠቐሉ፡
ነጐዳ ንዘለዎ ደበናኸ መገዲ ዝገበረሉ መን እዩ፧+
ወይስ ንኣውሊ ዚወልዶ መን እዩ፧+
29 በረድሲ ኻብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧
ንኣስሓይታ ሰማይ ዚወልዶኸ መን እዩ፧+
ንስልጣኑ ኣብ ምድሪ ኸተተግብሮ ትኽእልዶ፧
35 ንበርቅታት ክትልእኮም ትኽእልዶ፧
መጺኦምከ፡ ‘እነና!’ ይብሉኻዶ፧
36 ኣብ ውሽጢ ደበናታት* ጥበብ ዘንበረ መን እዩ፧+
ወይ ንተርእዮ ሰማይ* ኣእምሮ ዝሃቦ መን እዩ፧+
37 ንደበናታት ኪቘጽሮም ጥበብ ዘለዎ መን እዩ፧
ንዓታሩ ሰማይ ዚግልብጦኸ መን እዩ፧+
38 ሽዑ፡ ሓመድ ተበጽቢጹ ይረግእ፡
ደናኵል ብሓደ ይጣበቕ።
39 ንኣንበሳ፡ ግዳይ ክትሃድነሉ፡
ሸውሃት ሽደናት ኣናብስከ ኸተዕግብዶ ትኽእል፧+
40 ንሳቶም ኣብ ሰፈሮም ይዅርመዩ፡
ኣብ መሕብኢኦም ከኣ ኣድብዮም በጥ ይብሉ።