11 “ንእስራኤል ቈልዓ ኸሎ፡ ኣፍቂረዮ፣+
ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዊዐዮ።+
2 ንሳቶም ብዝያዳ ብዝጸውዕዎም መጠን፡
ካባታቶም ብዝያዳ ርሒቖም።+
ንምስልታት በዓል ሰዊኦም፣+
ንቕሩጽ ምስልታት ከኣ መስዋእቲ ኣቕሪቦም።+
3 ግናኸ፡ ንኤፍሬም ዘታተኽዎ ኣነ እየ፣+ ብቕልጽመይ እውን ሓቚፈዮም፣+
ከም ዘሕወኽዎም ድማ ኣይፈለጡን።
4 ብኣግማድ ሰብ፡ ብድባራታት ፍቕሪ ስሒበዮም፣+
ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰይነዮም፣
ብልእመት እውን ንነፍሲ ወከፍ ብልዒ ኣቕሪበ።
5 ናብ ምድሪ ግብጺ ኣይኪምለሱን እዮም፣
ናባይ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ግና፡+ ኣሶር ንጉሶም ኪኸውን እዩ።+
6 ሰይፊ ኣንጻር ከተማታቱ ኽትወናጨፍ፡+
ንተገዳማቱ ኸተጥፍእ፡ ብሰንኪ ተንኰሎም ከኣ ክትውሕጦም እያ።+
7 ህዝበይ ኪጠልሙኒ ኣንቂዶም እዮም።+
ናብ ላዕሊ እኳ እንተ ጸውዕዎም፡ ሓደ እኳ ዚትንስእ የልቦን።
8 ኣታ ኤፍሬም፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ዝሓድገካ፧+
ኣታ እስራኤል፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ኣሕሊፈ ዝህበካ፧
ከመይ ገይረ እየ እሞ ኸም ኣድማ ዝገብረካ፧
ከመይ ገይረኸ እየ ኸም ጸቦኢም ዝገብረካ፧+
ልበይ ተለዊጡ እዩ፣
ርሕራሐይ እውን ተለዓዒሉ እዩ።+
9 ዚነድድ ቍጥዓይ ኣይከውጽኦን እየ።
ንኤፍሬም ደጊም ኣይከጥፍኦን እየ፣+
ኣነስ ኣምላኽ እየ፡ ሰብ ድማ ኣይኰንኩን፣
ኣብ ማእከልካ ኸኣ እቲ ቕዱስ እየ፣
ብነድሪ እውን ኣይክመጸካን እየ።
10 ንሳቶም ደድሕሪ የሆዋ ኪኸዱ እዮም፣ ንሱ እውን ከም ኣንበሳ ኺጓዝም እዩ፣+
ምስ ጓዘመ፡ ደቁ ራዕራዕ እናበሉ ኻብ ምዕራብ ኪመጹ እዮም።+
11 ካብ ግብጺ ኺመጹ ኸለዉ፡ ከም ዑፍ፡
ካብ ምድሪ ኣሶር ከም ዝወጸት ርግቢ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣+
ኣብ ኣባይቶም ድማ ከስፍሮም እየ” ይብል የሆዋ።+
12 “ኤፍሬም ብሓሶት፡
ቤት እስራኤል ከኣ ብምትላል ከቢቦምኒ ኣለዉ።+
ይሁዳ ግና ገና ምስ ኣምላኽ ይመላለስ ኣሎ፣
ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ድማ እሙን እዩ።”+