መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብሙት-ላቤን።* ናይ ዳዊት መዝሙር።
א [ኣሌፍ]
ב [ቤት]
3 ጸላእተይ ምስ ኣድሓርሓሩ፡+
ኣብ ቅድሜኻ ኺዕንቀፉን ኪጠፍኡን እዮም።
4 ንስኻስ ንፍትሓዊ ጕዳየይ ትድግፍ፡
ብጽድቂ እናፈረድካ ኸኣ ኣብ ዝፋን ትቕመጥ ኢኻ።+
ג [ጊሜል]
5 ንኣህዛብ ገኒሕካዮም፡+ ንእኩያት ከኣ ኣጥፊእካዮም፡
ስሞም ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ደምሲስካዮ ኢኻ።
ה [ሄ]
ו [ዋው]
ז [ዛይን]
11 ነቲ ኣብ ጽዮን ዚቕመጥ የሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ፣
ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ።+
ח [ሔት]
13 ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየኒ፣ በቶም ዚጸልኡኒ ዚወርደኒ ጸበባ ርአ፣
ንስኻ ኻብ ኣፍ ደገታት ሞት ተተንስኣኒ፣+
14 እወ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ጓል ጽዮን ዚንኣድ ተግባራትካ ኽነግር፡+
ብግብርታት ድሕነትካ ኸኣ ክሕጐስ ተተንስኣኒ።+
ט [ጤት]
15 ኣህዛብ ናብታ ዝገበርዋ ጕድጓድ ኣትዮም ኣለዉ፣
እግሮም ድማ በታ ዝሓብእዋ መርበብ ተታሒዛ ኣላ።+
እኩይ ብግብሪ ኣእዳዉ ተፈንጢሩ ኣሎ።+
ሂጋዮን።* (ሴላ)
י [ዮድ]
17 እኩይ ናብ መቓብር* የድሓርሕር፣
ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅሎም ኣህዛብ እውን ከምኡ።
כ [ካፍ]
19 ኦ የሆዋ፡ ተንስእ! መዋቲ ሰብሲ ኣይስዓር።
ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ።+
20 ኦ የሆዋ፡ ብፍርሂ ውቕዓዮም፣+
ኣህዛብሲ መወትቲ ሰባት ጥራይ ምዃኖም ይፍለጡ። (ሴላ)