ናይ ዳዊት።
26 ኦ የሆዋ፡ ብንጽህና ተመላሊሰ እየ እሞ፡ ፍረደለይ፣+
ከይተወላወልኩ ብየሆዋ ተኣሚነ እየ።+
2 ኦ የሆዋ፡ መርምረንን ፈትነንን፣
ንውሽጣዊ ሓሳባተይን ንልበይን ኣጽርዮ።+
3 ብተኣማንነት እተርእያ ፍቕርኻስ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እያ፣
ብሓቅኻ እውን እመላለስ እየ።+
4 ምስ መታለልቲ ሰባት ኣይሓብርን፡+
ካብ ኣምሰሉታት እውን እርሕቕ እየ።
5 ምሕዝነት እኩያት እጸልእ፡+
ምስ ክፉኣት ከኣ ኣይሓብርን እየ።+
6 ኦ የሆዋ፡ ንኣእዳወይ ብንጽህና ኽሓጽበን፡
ንመሰውኢኻ ድማ ክዞሮ እየ፣
7 በዚ ኸምዚ፡ ድምጺ ምስጋናኻ ኸስምዕ፡+
ኵሉ ዜደንቕ ግብርታትካ ኸኣ ክነግር እየ።
8 ኦ የሆዋ፡ ንቤት ማሕደርካ፡+
ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ እፈትዎ እየ።+
9 ምስ ሓጥኣን ኣይትዀስትረኒ፣+
ንህይወተይ ድማ ምስ ዓመጽቲ ሰባት ኣይትመንጥላ፣
10 ምስቶም ብኣእዳዎም ዜሕፍር ተግባር ዚገብሩን
የማነይቶም ብጉቦ ዝመልአትን እውን ኣይትመንጥላ።
11 ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ።
ኣናግፈኒ፡ ሞገስካ እውን ኣርእየኒ።
12 እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ ኣላ፣+
ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ።+