መዝሙር
136 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፡+
ንሱ ድማ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+
2 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ።+
3 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንጐይታ ጐይተት ኣመስግንዎ።
6 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዘርግሓ።+
7 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ።+
8 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንጸሓይ ብመዓልቲ ኽትገዝእ ገበራ።+
9 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንወርሕን ንኸዋኽብትን ብለይቲ ኺገዝኡ ገበሮም።+
10 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
በዅሪ ግብጺ ወቕዐ።+
11 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንእስራኤል ካብ ማእከሎም ኣውጽኦ።+
12 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ብሓያል ኢድን+ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ከምኡ ገበረ።
13 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቐሎ።+
14 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንእስራኤል ብማእከሉ ኣሕለፎ።+
16 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ መርሖም።+
17 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ዓበይቲ ነገስታት ወቕዐ።+
18 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ሓያላት ነገስታት ቀተለ።
19 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን ቀተሎ።
20 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንዖግ+ ንጉስ ባሳን ቀተሎ።
21 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ምድሮም ርስቲ ገይሩ ሃበ።+
22 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንጊልያኡ እስራኤል ኣረስተዮ።
24 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ካብ ተጻረርትና ብተደጋጋሚ ኣናገፈና።+
26 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡
ንኣምላኽ ሰማያት ኣመስግንዎ።