እያሱ
7 እስራኤላውያን ግና ምስቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ነገር ብዚተሓሓዝ ጠለሙ፣ ከመይሲ፡ ዓካን+ ወዲ ካርሚ፡ ወዲ ዛብዲ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ገለ ኻብቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ወሰደ።+ ቍጥዓ የሆዋ ድማ ኣብ እስራኤላውያን ነደደ።+
2 እያሱ ኸኣ ካብ ያሪኮ ናብታ ብምብራቕ ቤት-ኤል+ ኣብ ጥቓ ቤት-ኣዌን ዘላ ዓይ፡+ “ደዪብኩም ነታ ምድሪ ሰልይዋ” ኢሉ ሰባት ሰደደ። እቶም ሰባት ድማ ደዪቦም ንዓይ ሰለይዋ። 3 ናብ እያሱ ምስ ተመልሱ ኸኣ፡ “ኵሉ እቲ ህዝቢ ኺድይብ ኣየድልን እዩ። ኣስታት ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ንዓይ ንምስዓር ይኣኽሉ እዮም። ሒደት እዮም እሞ፡ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ናብኡ ኸም ዚኸይድ ብምግባር፡ ኣይተድክሞ” በልዎ።
4 ኣስታት 3,000 ሰባት ናብኣ ደየቡ፣ ግናኸ፡ ካብ ቅድሚ ሰብ ዓይ ሃደሙ።+ 5 እቶም ሰብ ዓይ ካባታቶም 36 ሰባት ቀተሉ፣ ካብ ወጻኢ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ክሳብ ሰባሪም* ሰዓብዎም፡ ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ስለዚ፡ ልቢ እቲ ህዝቢ መኸኸ፡ ከም ማይ ከኣ ኰነ።
6 ሽዑ፡ እያሱ ኽዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት የሆዋ ኽሳዕ ምሸት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፍአ፣ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ከምኡ ገበሩ፣ ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓመድ ነስነሱ። 7 እያሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ሂብካ ኸተጥፍኣናስ፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ እዚ ንዮርዳኖስ ኣሳጊርካዮ፧ ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዓጊብና እንተ ንቕመጥ ምሓሸና! 8 ኦ የሆዋ፡ ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር፡ ሕጂ እስራኤል ካብ ቅድሚ ጸላእቱ ኻብ ኣንሰሓበስ፡* እንታይ ክብል እኽእል፧ 9 ከነኣናውያንን ኵሎም ኣብዛ ምድሪ ዚነብሩን ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኪኸብቡናን ስምና ኻብ ምድሪ ኺድምስሱን እዮም፣ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧”+
10 የሆዋ ኸኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ተንስእ! ስለምንታይ ብገጽካ ተደፊእካ ኣለኻ፧ 11 እስራኤል ሓጢኡ ኣሎ። እቲ ኺሕልውዎ ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ጥሒሶም ኣለዉ።+ ገለ ኻብቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ወሲዶም ኣለዉ፣+ ሰሪቖም+ ድማ ብሕቡእ ኣብ መንጎ ንብረቶም ኣንቢሮምዎ ኣለዉ።+ 12 ስለዚ፡ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቘሙ ኣይኪኽእሉን እዮም። ንሳቶም ንጥፍኣት እተመጠዉ ዀይኖም ኣለዉ እሞ፡ ዝባኖም መሊሶም ካብ ጸላእቶም ኪሃድሙ እዮም። እቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ኻብ ማእከልኩም ክሳዕ ዘየጥፋእኩም፡ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይክኸውንን እየ።+ 13 ተንስእ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ቐድሶ!+ ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ንጽባሕ ተቐደሱ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብሎ ኣሎ፦ “ኦ እስራኤል፡ ኣብ መንጎኻ ንጥፍኣት እተመጠወ ኣሎ። ነቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ኻብ ማእከልኩም ክሳዕ ዘየርሓቕኩምዎ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ክትቈሙ ኣይክትክእሉን ኢኹም። 14 ንግሆ፡ በብነገድ ቅረቡ፣ እቲ የሆዋ ዚሓርዮ+ ነገድ ድማ፡ በብዓሌት ይቕረብ፣ እቲ የሆዋ ዚሓርዮ ዓሌት ከኣ፡ በብቤተ ሰብ ይቕረብ፣ እቲ የሆዋ ዚሓርዮ ቤተ ሰብ ድማ፡ በብሰብኣይ ይቕረብ። 15 እቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ሒዙ እተረኽበ ድማ፡ ኪዳን የሆዋ ጥሒሱ፡+ ኣብ እስራኤል ከኣ ነውሪ ገይሩ እዩ እሞ፡ ንሱን ናቱ ዘበለ ዅሉን ብሓዊ ኺነድድ እዩ።”’”+
16 እያሱ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ንእስራኤል ከኣ በብነገዱ ኣቕረቦ እሞ፡ ነገድ ይሁዳ ተሓርየ። 17 ንዓሌታት ይሁዳ ድማ ኣቕረቦም እሞ፡ ዓሌት ዜራሓውያን+ ተሓርየ፣ ንዓሌት ዜራሓውያን ከኣ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ፡ ዛብዲ ተሓርየ። 18 ንቤተ ሰብ ዛብዲ ድማ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ፡ ዓካን ወዲ ካርሚ፡ ወዲ ዛብዲ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ተሓርየ።+ 19 ሽዑ፡ እያሱ ንዓካን፡ “ወደየ፡ በጃኻ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮ፡ ተናዘዘሉ እውን። እንታይ ከም ዝገበርካ ድማ በጃኻ ንገረኒ፡ ኣይትሕብኣለይ” በሎ።
20 ዓካን ከኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ሓቂ እዩ፡ ኣነ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል በዲለዮ እየ፡ ከምዚ ድማ ገይረ እየ። 21 ኣብ መንጎ እቲ ምርኮ፡ ጽቡቕ ባርኖስ ሲንኣርን+ 200 ሲቃል* ብሩርን 50 ሲቃል ዚምዘን ግማድ ወርቅን ምስ ረኣኹ፡ ተመንየዮስ ወሲደዮ። ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ ድንኳነይ፡ ኣብ ምድሪ ተሓቢኡ ኣሎ፣ ኣብ ትሕቲኡ ድማ እቲ ገንዘብ ኣሎ።”
22 ሽዑ፡ እያሱ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ከኣ ናብቲ ድንኳን ጐየዩ፣ ኣብኡ ድማ እቲ ባርኖስ ኣብ ድንኳኑ ተሓቢኡ ነበረ፣ እቲ ገንዘብ እውን ብትሕቲኡ ነበረ። 23 ካብቲ ድንኳን ወሲዶም ከኣ ናብ እያሱን ናብ ኵሎም እስራኤላውያንን ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እውን ኣንበርዎ። 24 እያሱን ኵሉ እስራኤልን ድማ፡ ንዓካን+ ወዲ ዜራሕን ነቲ ብሩርን ነቲ ባርኖስን ነቲ ግማድ ወርቅን+ ምስ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብዑሩን ኣእዱጉን ጤለ በጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ወሲዶም፡ ናብ ስንጭሮ* ዓኮር+ ኣደየብዎ። 25 እያሱ ኸኣ፡ “ኣብ ልዕሌና ስለምንታይ መዓት ኣምጺእካልና፧*+ በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሌኻ መዓት ኬምጽእ እዩ” በሎ። ሽዑ፡ ኵሉ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ቐተሎ፣+ ብሓዊ ድማ ኣንደድዎም።+ በዚ ኸምዚ፡ ንዅሎም ብዳርባ እምኒ ቐተልዎም። 26 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ፡ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። ሽዑ፡ ርሱን ቍጥዓ የሆዋ ዘሓለ።+ ስለዚ ድማ፡ ስም እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ስንጭሮ ዓኮር* ይብሃል ኣሎ።