ዘሁልቍ
2 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “እስራኤላውያን ኣብቲ ነናቶም ጕጅለ ሰለስተ ነገድ እተመደቦ ይስፈሩ፣+ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጥቓ ሰንደቕ ዕላማ* ማይ ቤቱ ይስፈር። ኣብ መንጽር ድንኳን ምርኻብ፡ ብዙርያኡ ይስፈሩ።
3 “እቶም ብምብራቕ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዚሰፍሩ፡ በብሰራዊቶም፡ ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ይሁዳ ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሁዳ ኸኣ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ እዩ። 4 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 74,600 እዮም።+ 5 ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ይሳኮር ይኹን። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር እዩ። 6 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 54,400 እዮም።+ 7 ቀጺሉ ድማ ነገድ ዛብሎን እዩ። ሹም ደቂ ዛብሎን ከኣ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን እዩ። 8 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 57,400 እዮም።+
9 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ይሁዳ እተመዝገቡ፡ 186,400 እዮም። እዚኣቶም ቀዳማይ ይንቀሉ።+
10 “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ሮቤል+ በብሰራዊቱ ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር እዩ። 11 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 46,500 እዮም።+ 12 ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ስምኦን እዩ። ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ። 13 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 59,300 እዮም።+ 14 ቀጺሉ ድማ ነገድ ጋድ እዩ። ሹም ደቂ ጋድ ከኣ ኤልያሳፍ+ ወዲ ረዑኤል እዩ። 15 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 45,650 እዮም።+
16 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ሮቤል እተመዝገቡ፡ 151,450 እዮም። እዚኣቶም ካልኣይ ይንቀሉ።+
17 “እቲ ድንኳን ምርኻብ ኪግዕዝ ከሎ፡+ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ ማእከል ካልኦት ሰፈራት ይኹን።
“ከምቲ ኣሰፋፍራኦም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ በቦታኡ ዀይኑ በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ ይጐዓዙ።+
18 “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ኤፍሬም በብሰራዊቱ ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ከኣ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ እዩ። 19 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 40,500 እዮም።+ 20 ኣብ ጥቓኡ ኸኣ ነገድ ምናሴ+ ይኹን። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር እዩ። 21 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 32,200 እዮም።+ 22 ቀጺሉ ድማ ነገድ ብንያም እዩ። ሹም ነገድ ብንያም ከኣ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ እዩ። 23 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 35,400 እዮም።+
24 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ኤፍሬም እተመዝገቡ፡ 108,100 እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ይንቀሉ።+
25 “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ዳን በብሰራዊቱ ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ከኣ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ። 26 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 62,700 እዮም።+ 27 ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ኣሴር እዩ። ሹም ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን እዩ። 28 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 41,500 እዮም።+ 29 ቀጺሉ ድማ ነገድ ንፍታሌም እዩ። ሹም ደቂ ንፍታሌም ከኣ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን እዩ። 30 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 53,400 እዮም።+
31 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰፈር ዳን እተመዝገቡ፡ 157,600 እዮም። እዚኣቶም ብጕጅለ ሰለስተ ነገድ መወዳእታ ይንቀሉ።”+
32 እቶም ካብ እስራኤላውያን በብማይ ቤቶም እተመዝገቡ እዚኣቶም እዮም። ድምር እቶም ኣብቲ ሰፈራት ኣብ ሰራዊት እተመዝገቡ፡ 603,550 ነበረ።+ 33 ሌዋውያን ግና፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምስ ካልኦት እስራኤላውያን+ ኣይተመዝገቡን።+ 34 እስራኤላውያን ከኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ። በዚ ኸምዚ፡ በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ ይሰፍሩ፡+ በዚ ኸምዚ ድማ ነፍሲ ወከፎም በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ይነቕሉ ነበሩ።+