እዮብ
ከመይ ኢለ እሞ ንድንግል ዘይግቡእ ቈላሕታ ኽገብረላ፧+
2 ሽዑስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣምላኽ ግደይ እንታይ ምዀነ፧
ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዅሉ ዚኽእልከ ርስተይ እንታይ ምዀነ፧
3 ንገባር ክፉእሲ ጥፍኣት፡
ጕድኣት ንዚገብሩ ኸኣ መዓት ደይኰነን ዚጽበዮም፧+
4 ንሱስ ንመገድታተይ ኣይርእዮንዶ፧+
ንዅሉ ስጕምትታተይከ ኣይቈጽሮንዶ፧
5 ብሓሶትዶ* ተመላሊሰ እፈልጥ እየ፧
እግረይከ ናብ ምትላልዶ ቐልጢፋ እያ፧+
7 ስጕምትታተይ ካብ መገዲ እንተ ዘምቢለን፡+
ልበይ ደድሕሪ ኣዒንተይ እንተ ስዒቡ፡+
ኣእዳወይ ረኺሰን እንተ ዀይነን፡
8 ነቲ ዝዘራእክዎ ኻልእ ይብልዓዮ፡+
እቲ ዝተኸልክዎ* እውን ይምሖ።
11 እዝስ ዜሕፍር ምዀነ፣
ብፈራዶ ዜቕጽዕ ስሕተት ከኣ ምዀነ።+
ምስ ተጸባጸበኒኸ እንታይ ኢለ ኽምልሰሉ እየ፧+
15 እቲ ንዓይ ኣብ ማሕጸን ዝገበረስ ንዓታቶምዶ ኣይገበረን፧+
16 ንድኻታት ዚምነይዎ ኸሊአዮም እንተ ዀይነ፡+
17 ዚብጽሓኒ ምግቢ በይነይ በሊዐ እንተ ዀይነ፡
18 (ዘኽታምሲ* ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ከም ምስ ኣቦ ምሳይ እዩ ዓብዩ፣
19 ሓደ እኳ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡
ወይ ድኻ ብዘይ ዚኽደኖ ርእየዮ እንተ ዀይነ፡+
20 ንሱ* ብጸምሪ ኣባጊዐይ ምስ ሞቐ፡
እንተ ዘይመሪቑኒ፣+
21 ዘኽታም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ+ ሓገዘይ ምስ ደለየ፡
22 ኢደይ* ካብ መንኵበይ ትምለቝ፣
ቅልጽመይ ከኣ ኣብ ኵርናዕ ኢደይ* ይሰበር።
23 ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መዓትሲ ኣርዒዱኒ፣
ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ድማ ክቐውም ኣይከኣልኩን።
24 እምንቶይ ኣብ ወርቂ እንተ ገይረ፡
ንጽሩይ ወርቂ፡ ‘ውሕስነተይ ኢኻ!’ እንተ ኢለዮ፡+
25 ብዙሕ ጥሪት ስለ ዘጥረኹ፡+
ብብዝሒ ሃብተይ ተሓጒሰ እንተ ዀይነ፡+
ወይ ግርማ ምንቅስቓስ ወርሒ ርእየ እንተ ዀይነ፡+
27 ልበይ ከኣ ብሕቡእ እንተ ተሓቢሉ፡
ኣፈይ ድማ ከተምልኸን ኢላ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ፡+
28 በዚ ኸምዚ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ምኸሓድክዎ እሞ፡
እዚ ብፈራዶ ዜቕጽዕ ስሕተት ምዀነ።
ክፉእ ምስ ወረዶኸ ባህ ኢሉኒ ድዩ፧
34 ሰባት ከይብሉኒ ኢለዶ ፈሪሀ እየ፧
ብንዕቀት ካልእ ዓሌታት ተሸቢረኸ
ስቕ ኢለን ናብ ወጻኢ ኸይወጽእ ፈሪሀን ድየ፧
ኣብቲ ዝበልክዎ፡ ስመይ ምኸተምኩ ነይረ።*
እቲ ዅሉ ዚኽእል ይመልሰለይ!+
እቲ ኸሳስየይ፡ ነቲ ኽስታት ኣብ ሰነድ እባ እንተ ዝጽሕፎ!
36 ሽዑ፡ ኣብ መንኵበይ ምጾርክዎ፣
ከም ዘውዲ እውን ኣብ ርእሰይ ምኣሰርክዎ።
37 ንዅሉ ስጕምተይ ጸብጻብ ምሃብክዎ፣
ከም መስፍን፡ ተኣማሚነ ምቐረብክዎ።
38 ምድረይ ብሰረይ እንተ ኣእውያ፡
ነግሕታታ ኸኣ እንተ በኽዩ፡
ንዋናታታ* ድማ ተስፋ ኣቕቢጸዮም እንተ ዀይነ፡+
40 ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይሲ እሾዅ፡
ኣብ ክንዲ ስገም ከኣ ጨናዊ ጻህያይ ተብቍለለይ።”
ዘረባ እዮብ ኣብዚ ተወድአ።