2 ተሰሎንቄ
3 ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ቃል የሆዋ* ኸምቲ ኣባኻትኩም ኰይንዎ ዘሎ ብፍጥነት ኪዝርጋሕን+ ኪኸብርንሲ ብቐጻሊ ጸልዩልና።+ 2 እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡+ ካብ ጐዳእትን እኩያትን ሰባት ምእንቲ ኽንናገፍ+ እውን ጸልዩልና። 3 ጐይታ ግና እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኬበርትዓኩምን ካብቲ እኩይ ኪሕልወኩምን እዩ። 4 ነቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘለኹምን ብሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባኹም ብጐይታ ንተኣማመን ኢና። 5 ጐይታ ድማ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን+ ናብ ተጻዋርነት+ ክርስቶስን የቕንዓዮ።
6 ኣቱም ኣሕዋትና፡ በቲ ኻባና እተቐበልኩምዎ* ስርዓት* ዘይኰነስ፡+ ብዘይ ስርዓት ካብ ዚመላለስ+ ዘበለ ሓው ክትርሕቑ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣለና። 7 ኣብ መንጎኹም ብዘይ ስርዓት ስለ ዘይተመላለስና፡ ከመይ ጌርኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 8 ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ጾር ከይንኸውን ኢልና፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ብልፍዓትን ደኣ ኢና ዓዪና እምበር፡+ ካብ ሓደ እኳ ብናጻ* እንጌራ ኣይበላዕናን።+ 9 ስልጣን ስለ ዘይብልና ዘይኰነስ፡+ ንዓና ምእንቲ ኽትመስሉ፡ ኣርኣያ ኽንኰነኩም ደሊና ኢና ኸምኡ ዝገበርና።+ 10 ምሳኻትኩም ከለና እውን፡ “ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይደሊ እንተ ዀይኑ፡ ኣይብላዕ” ኢልና ንእዝዘኩም ኔርና ኢና።+ 11 ከመይሲ፡ ገለ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡+ ኣብ ዘይምልከቶም ከም ዚኣትዉ እምበር፡ ከም ዘይዓይዩ፡ ንሰምዕ ኣለና።+ 12 ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና።+
13 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩምሲ ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። 14 ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሓፍርሲ፡ ምልክት ግበሩሉ፡* ደጊም ምስኡ እውን ኣይትሕበሩ።+ 15 ግናኸ፡ ከም ሓው ደኣ ምዓድዎ እምበር፡ ከም ጸላእስ ኣይትቝጸርዎ።+
16 ጐይታ ሰላም ባዕሉ ብዅሉ መገዲ ዅሉ ሳዕ ሰላም ይሃብኩም።+ ጐይታ ምስ ኵላትኩም ይኹን።
17 እዛ ሰላምታ እዚኣ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ፣+ እዚኣ ኣብ ኵለን ደብዳበታተይ ምልክት እያ፣ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ።
18 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን።