ኤርምያስ
8 “በታ ግዜ እቲኣ፡” ይብል የሆዋ፡ “ኣዕጽምቲ ነገስታት ይሁዳን ኣዕጽምቲ መሳፍንታን ኣዕጽምቲ ኻህናትን ኣዕጽምቲ ነብያትን ኣዕጽምቲ ነበርቲ የሩሳሌምን ካብ መቓብራቶም ኪውሰድ እዩ። 2 ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘገልገልዎምን ዝሰዓብዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ጸሓይን ወርሕን ኵሎም ሰራዊት ሰማያትን ኪሰጥሕዎ እዮም።+ ኣይኪእከብን፡ ኣይኪቕበርን እውን እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ኸም ድዅዒ ኪኸውን እዩ።”+
3 “እቲ ዝተረፈ ተረፍ እዚ ኽፉእ ዓሌት እዚ ኸኣ ኣብቲ ዝበተንክዎ ቦታታት ካብ ህይወትሲ ሞት ኪሓሪ እዩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
4 “ከምዚ ድማ ክትብሎም ኢኻ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ወዲቖምሲ መሊሶም ኣይኪትንስኡን ድዮም፧
ሓደ እንተ ዚምለስሲ፡ እቲ ሓደኸ ኣይምተመልሰንዶ፧
5 ስለምንታይ ደኣ እዩ እዚ ህዝቢ የሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም፧
ምትላል ኣጽኒዖም ይሕዙ፣
ምምላስ እውን ይኣብዩ።+
6 ኣቕሊበን ሰሚዐንሲ፡ ኣዘራርባኦም ቅኑዕ ኣይነበረን።
ብእከዩ እተነስሐ ወይ ‘እንታይ እየ ገይረ፧’ ኢሉ ዝሓተተ ሰብ የልቦን።+
ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ናብ ውግእ ዚሓንን ፈረስ፡ ናብ ህቡብ መገዲ ይምለስ ኣሎ።
ህዝበይ ግና ፍርዲ የሆዋ ኣይርዳእን እዩ።”’+
8 ‘ከመይ ኢልኩም ደኣ፡ “ጥበበኛታት ኢና፡ ሕጊ* የሆዋ ድማ ኣሎና” እትብሉ፧
እኳ ደኣስ፡ ናይ ጸሓፍቲ ብርዒ+ ሓሶት ንሓሶት ጥራይ እዩ ተዓይዩሉ።
9 ጥበበኛታት ሓፊሮም እዮም።+
ተሸቢሮም እዮም፡ ኪትሓዙ እውን እዮም።
እንሆ፡ ንቓል የሆዋ ንዒቖምዎ ኣለዉ፣
እንታይ ጥበብ ደኣ ኣለዎም፧
10 ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ነፍሲ ወከፍ ዘይግቡእ ረብሓ ይረክብ፡+
ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን፡ ነፍሲ ወከፍ ይዕምጽ ኣሎ እሞ፡+
ኣንስቶም ንኻልኦት ሰብኡት፡
ግራውቶም ንኻልኦት ዋናታት ክህብ እየ።+
12 በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገር ይሓፍሩ ድዮም፧
ከቶ ኣይሓፍሩን እዮም!
ውርደት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም!+
ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝወደቑ፡ ኪወድቁ እዮም።
ምስ ቀጻዕክዎም፡ ኪዕንቀፉ እዮም’+ ይብል የሆዋ።
13 ‘ምስ ኣከብክዎም፡ ክውድኦም እየ’ ይብል የሆዋ።
‘ኣብ ተኽሊ ወይኒ ፍረ ወይኒ፡ ኣብ ኦም በለስ ከኣ በለስ ኣይኪተርፍን፣ ኣቝጽልቲ እውን ኪነቅጽ እዩ።
ነቲ ዝሃብክዎም ድማ ኪስእንዎ እዮም።’”
14 “ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ተቐሚጥና ዘለና፧
ንተኣከብ እሞ ናብ እተዓርዳ ኸተማታት ንእቶ፡+ ኣብአን ድማ ንጥፋእ።
15 ንሰላም ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ጽቡቕ ኣይመጸን።
ንግዜ ምሕዋይ ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሽበራ ዀይኑ!+
16 ካብ ዳን ኵሪፍታ ኣፍራሱ ይስማዕ።
ብደሃይ ምሕምሓም ጅንጕላታቱ፡
ብዘላ እታ ምድሪ ተንቀጥቅጥ።
መጺኦም ነታ ምድርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን፡
ነታ ኸተማን ንነበርታን ይውሕጡ።”
17 “እንሆ፡ ኣብ መንጎኹም ኣትማን፡
ዘይዕዘሙ መርዛማት ኣትማን እሰድድ ኣለኹ፣
ንሳቶም ድማ ብርግጽ ኪነኽስኹም እዮም” ይብል የሆዋ።
18 ጓህየይ ዘይሓዊ እዩ፣
ልበይ ሓሚሙ እዩ።
19 “የሆዋዶ ኣብ ጽዮን የሎን እዩ፧
ንጉሳዶኸ ኣብኣ የሎን እዩ፧”
ዚብል ኣውያት ካብ ርሑቕ ሃገር፡
ካብ ጓል ህዝበይ ይስማዕ ኣሎ።
“ስለምንታይ ብቕሩጽ ምስልታቶም፡
በቶም ከንቱ ጓኖት ኣማልኽቶም ኣዀርዮምኒ፧”
20 “ቀውዒ ሓሊፉ፡ ሓጋይ ከኣ ተወዲኡ፣
ንሕና ግና ኣይደሓንናን!”
21 ብመስበርቲ ጓል ህዝበይ ተሰይረ ኣለኹ፣+
ጕህየ ኣለኹ።
ራዕዲ ሒዙኒ ኣሎ።
ስለምንታይ ደኣ ጓል ህዝበይ ዘይጠዓየት፧+