ኣንባቆም
ብኣይ ኣቢሉ እንታይ ከም ዚዛረብ፡
ምስ ተገናሕኩ ኸኣ እንታይ ከም ዝምልስ ክርእስ ክቋመት እየ።
2 ሽዑ፡ የሆዋ መለሰለይ፦
5 እወ፡ ወይኒ መጋገዪ ስለ ዝዀነ፡
ዕቡይ ናብ ሸቶኡ ኣይኪበጽሕን እዩ።
ንዅሎም ኣህዛብ ይእክቦም፡
ንዅሎም ህዝብታት ድማ ይኣኻኽቦም።+
6 ኵሎም እዚኣቶም ኣንጻሩ ምስላን ዚእምት ቃልን ሕንቅሕንቅሊተያትን ደይኰኑን ኪዛረቡ፧+
ከምዚ ኺብሉ እዮም፦
‘እቲ ዘይናቱ ዚእክብ፡
ዕዳኡ ኸኣ ዜብዝሕ፡ ወይለኡ!
ክሳዕ መዓስ እዩ፧
7 ኣለቃሕትኻ ብሃንደበትዶ ኣይኪትንስኡን እዮም፧
ኪነቕሑን ኪንዝንዙኻን እዮም፣
ዘመተኦም እውን ክትከውን ኢኻ።+
10 ንቤትካ ሕፍረት ሓሲብካላ።
ንብዙሓት ህዝብታት ብምድምሳስ፡ ንርእስኻ* በዲልካያ።+
11 እምንስ ካብ መንደቕ ኬእዊ፡
ሰርወ ኸኣ ካብ ስርሓት ዕንጨይቲ ኺምልሰሉ እዩ።
12 እቲ ብምፍሳስ ደም ከተማ ዚሰርሕ፡
ብዓመጻ ድማ ዓዲ ዚስርት፡ ወይለኡ!
16 ኣብ ክንዲ ኽብርስ ውርደት ክትጸግብ ኢኻ።
ንስኻ እውን ስተ እሞ ዘይግዙር ምዃንካ ተቐላዕ።*
እታ ኣብ የማነይቲ ኢድ የሆዋ ዘላ ጽዋእ ናባኻ ኽትዘውር፡+
ሕስረት ከኣ ንኽብርኻ ኼጐልብቦ እዩ፣
17 ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፡
ንምድርን ንኸተማታትን
ኣባታተን ንዚነብሩን ስለ ዝዓመጽካስ፡
እቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እተገብረ ዓመጻ ኼጐልብበካ፡
እቲ ንእንስሳታት ዘርዓደ ጥፍኣት እውን ኪመጸካ እዩ።+
18 እቲ ገባሪኡ ዚጸርቦ
ጽሩብ ምስልስ እንታይ ይጠቅም፧
19 እቲ ንዕንጨይቲ፡ “ንቓሕ!”
ንዓባስ እምኒ ድማ፡ “ተበራበር! ምሃረና!” ዚብል ወይለኡ!
20 የሆዋ ግና ኣብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ እዩ።+
ኵላ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል!’”+