ምሳሌ
26 ከም ውርጪ ኣብ ሓጋይ፡ ዝናም ከኣ ኣብ ቀውዒ፡
ከምኡ እውን ክብሪ ንዓሻ ዚግብኦ ኣይኰነን።+
2 ከምቲ ዑፍ ክትሃድም፡ ለዃዂቶ ድማ ክትነፍር ምኽንያት ዘለዋ፣
ከምኡ ኸኣ መርገም ብዘይ ናይ ሓቂ ምኽንያት ኣይበጽሕን እዩ።*
4 ንርእስኻ ኣብቲ ናቱ ደረጃ ኸይትገብርሲ፡*
ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትመልሰሉ።
5 ጥበበኛ ዝዀነ ኸይመስሎስ፡
ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ መልሰሉ።+
6 እቲ ነገሩ ንዓሻ ብሕድሪ ዚህብሲ፡
ባዕሉ ኣእጋሩ ኸም ዜቝርን ገዛእ ርእሱ ኸም ዚጐድእን* ሰብ እዩ።
8 ንዓሻ ኽብሪ ምሃብሲ፡
እምኒ ኣብ ወንጭፍ ከም ምእሳር እዩ።+
9 ምስላ ኣብ ኣፍ ዓያሹስ፡
ከምቲ ኣብ ኢድ ሰኽራም ዘሎ ኣሻዅ ተኽሊ እዩ።
10 ዓሻ ወይ ሓላፍ መገዲ ዚቘጽርሲ፡
ብወዝቢ* ኸም ዜቝስል ቀስተኛ እዩ።
11 ከምቲ ኸልቢ ናብ ትፋኡ ዚምለስ፡
ዓሻ ንዕሽነቱ ይደግሞ።+
12 ጥበበኛ ዝዀነ ዚመስሎ ሰብ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+
ካብኡስ ንዓሻ ዝያዳ ተስፋ ኣለዎ።
13 ሃካይ፡ “ኣብ መገዲ ዘይባጽሐ ኣንበሳ ኣሎ፣
ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ ኣሎ!” ይብል።+
16 ሃካይሲ ብልቦና ኻብ ዚምልሱ ሸውዓተ ሰባት፡
ንሱ ዚጠብብ ይመስሎ።
20 ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ፣
ሓማዪ ኣብ ዘይብሉ፡ ባእሲ የቋርጽ።+
21 ከምቲ ፈሓም ንጓህሪ፡ ዕንጨይቲ ድማ ንሓዊ ዚኸውን፡
ነግራም ሰብኣይ ባእሲ ይውልዕ።+
24 ንኻልኦት ዚጸልእ፡ ነዚ ብኸናፍሩ ይሓብኦ፣
ኣብ ውሽጡ ግና ምትላል የንብር።
25 ኣብ ልቡ ሸውዓተ ፍንፉን ነገር ኣለዎ እሞ፡*
ዘረባኡ ጥዑም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣይትእመኖ።
26 ጽልኡ ብተንኰል እኳ እንተ ተሓብአ፡
እከዩስ ኣብ ጉባኤ ኪቕላዕ እዩ።
27 ጕድጓድ ዚዅዕት፡ ኣብኣ ይወድቕ፣
እምኒ ዜንከባልል ከኣ፡ ንሳ ትምለሶ።+
28 ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዝደቘሰቶም ትጸልኦም፣
ሸሓጢት ኣፍ ድማ ጥፍኣት ተምጽእ።+