እያሱ
23 የሆዋ ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎም+ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት፡ እያሱ እውን ኣሪጉ ብዕድመ ምስ ደፍአ፡+ 2 እያሱ ንብዘለዉ እስራኤል፡+ ንዓበይቶምን ንርእስታቶምን ንፈራዶኦምን ንኣሕሉቖምን+ ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኣነ ኣሪገ፡ ብዕድመ ድማ ደፊአ እየ። 3 እቲ ዚዋግኣልኩም ዝነበረ የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኦም ምእንታኹም ዝገበሮ፡ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።+ 4 ርኣዩ፡ ምድሪ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣህዛብን+ እቶም ዘጥፋእክዎም ኵሎም ኣህዛብን፡+ ካብ ዮርዳኖስ ክሳብ እቲ ብምዕራብ* ዘሎ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡* ንነገዳትኩም ርስቲ ኪኸውን ብዕጫ መቒለኩም እየ።+ 5 እቲ ኻብ ቅድሜኹም ዚደፍኦም ዝነበረ የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ፣+ ካብ ቅድሜኹም ከኣ ሰጐጎም፣* ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ዘተስፈወኩም ድማ፡ ንስኻትኩም ምድሮም ተረስተኹም።+
6 “ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡+ ካብኡ ኸኣ ናብ የማን ኰነ ናብ ጸጋም ከይተላግሱ፡+ ኣዚኹም ትብዑ፣ 7 ምስዞም ምሳኻትኩም ዘለዉ ዝተረፉ ኣህዛብ እዚኦም እውን ኣይትጸምበሩ።+ ስም ኣማልኽቶም ድማ ኣይትስመዩ፡+ ብኣታቶም ከኣ ኣይትምሓሉ፡ ኣይተገልግልዎምን ኣይትስገዱሎምን እውን።+ 8 ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርኩምዎ ደኣ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ልገቡ።+ 9 ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ኪቐውም ኣይከኣለን እሞ፡+ የሆዋ ኻብ ቅድሜኹም ዓበይትን ሓያላትን ኣህዛብ ኪሰጕጕ እዩ።+ 10 የሆዋ ኣምላኽኩም ከምቲ ዘተስፈወኩም+ ኪዋግኣልኩም እዩ እሞ፡+ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪሰጕጎም እዩ።+ 11 ስለዚ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ብምፍቃር፡+ ወትሩ ተሓለዉ።*+
12 “ንድሕሪት ተመሊስኩም ናብዞም ካብዞም ኣህዛብ ምሳኻትኩም ዝተረፉ እንተ ለጊብኩም እሞ፡+ ምሳታቶም እንተ ተዋሲብኩምን+ እንተ ሓቢርኩምን ንሳቶም እውን እንተ ሓቢሮምኹምን ግና፡ 13 የሆዋ ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ ከም ዘይሰጕጐልኩም* ብርግጽ ፍለጡ።+ ካብዛ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጠፍኡ ድማ፡ ንዓኻትኩም መጻወድያን መፈንጠራን፡ ንጐድንኹም መግረፊ፡+ ንኣዒንትኹም ከኣ እሾዅ ኪዀኑኹም እዮም።
14 “እንሆ ድማ፡ ኣነ ንሞት ቀሪበ ኣለኹ፣* ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን* ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኵሉ ተፈጺሙልኩም እዩ። ካብኡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይወደቐትን።+ 15 ግናኸ፡ ከምቲ ዅሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት ዝመጸኩም፡+ ከምኡ ድማ የሆዋ ዅሉ እቲ ንሱ ዝበለኩም መዓት* ኬውርደልኩም፡ ካብዛ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ኬጥፍኣኩም እዩ።+ 16 ነቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳን እንተ ጥሒስኩም፡ ኬድኩም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምን እንተ ሰጊድኩምን፡ ሽዑ ቝጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡+ ካብታ ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ብቕልጡፍ ክትጠፍኡ ኢኹም።”+