2 ጢሞቴዎስ
4 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን+ ኪፈርድ ዘለዎ+ ክርስቶስ የሱስን ብግህደቱን+ ብመንግስቱን+ እእዝዘካ ኣለኹ፦ 2 ነቲ ቓል ስበኽ፣+ ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ብህጹጽ ግበሮ፣ ብዅሉ ዓቕልን ጥበብ ኣመሃህራን+ ከኣ ግናሕ፡+ ውቐስ፡ ምዓድ። 3 ከመይሲ፡ ከም ትምኒቶም፡ ኣእዛኖም ዚዅርኵዑሎም* መምህራን ኪእክቡ እምበር፡+ ነቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ እዋን ኪመጽእ እዩ።+ 4 ንሓቂ ኻብ ምስማዕ ኣእዛኖም ኪመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያት ከኣ ኬቕልቡ እዮም። 5 ንስኻ ግና ብዅሉ ቐልብኻ ሓሉ፡ መከራ ተጻወር፡+ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡* ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ፈጽም።+
6 ኣነስ ድሮ ኸም መስዋእቲ መስተ እፈስስ ኣለኹ፣+ እታ ናጻ ዝዀነላ ግዜ+ እውን ቀሪባ እያ። 7 ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡+ እቲ ጕያ ወዲአ፡+ ነታ እምነት እውን ሓልየያ እየ። 8 ካብ ሕጂ ንደሓር፡ እቲ ጻድቕ ፈራዲ+ ዝዀነ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዓስቢ ዚህበኒ+ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ፣+ እዚ ግና ነቶም ግህደቱ ዝፈተዉ እውን እምበር፡ ንዓይ ጥራይ ኣይኰነን።
9 ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ጽዓር። 10 ዴማስ+ ነዚ ስርዓት* እዚ ስለ ዝፈተወ፡ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ፣ ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ከኣ ናብ ደልማጥያ ኸይዶም እዮም። 11 ሉቃስ ጥራይ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማሊእካዮ ምጻእ። 12 ንትኪቆስ+ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ። 13 ክትመጽእ ከለኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሓደግክዎ ባርኖስን እቲ ጥቕላላት መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ።
14 እስክንድሮስ እቲ ኣንጠረኛ ነሓሲ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ እዩ። የሆዋ* ኸም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።+ 15 ንሱ ንመልእኽትና ብዙሕ ተጻሪርዎ እዩ እሞ፡ ንስኻ እውን ካብኡ ተሓሎ።
16 ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡—ኣይተሓዘሎም ደኣ እምበር፡—ሓደ እኳ ኣብ ጐድነይ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ኵላቶም ሓዲጎምኒ እዮም። 17 እቲ ስብከት ብኣይ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጸምን ኵሎም ኣህዛብ ምእንቲ ኺሰምዕዎን ግና፡+ ጐይታ ኣብ ጐድነይ ቈይሙ ኣበርቲዑኒ እዩ፣ ካብ ኣፍ ኣንበሳ እውን ተናጊፈ እየ።+ 18 ጐይታ ኻብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱ እውን ኬድሕነኒ እዩ።+ ንዕኡ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
19 ንጵርስካን ንኣኪላስን+ ንቤተ ሰብ ኦኔሲፎሮስን+ ሰላም በለለይ።
20 ኤራስጦስ+ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ ኣሎ፣ ንጥሮፊሞስ+ ግና ሓሚሙ ኣብ ሚሊጦስ ሓዲገዮ ኣለኹ። 21 ቅድሚ ኽረምቲ ኽትመጽእ ጽዓር።
ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውድያን ኵሎም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
22 ጐይታ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋኡ ምሳኻትኩም ይኹን።